ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ፡ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝንቀሳቀሱ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣብ አዲስ አበባ ይካየድ'ሎ


ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣብተን ክልላት ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲታት ዝርኣዩ ግጭታት ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዘራረቡ ኣለው።ኣብቲ ልዝብ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ሓባራዊ ክብርታት ህዝቢ ኣብ ምስፋሕ ክሰርሑ ፃውዒት ቀሪቡ’ሎ።

ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ይረአዩ ንዘለው ግጭታት ንምውጋድን መፍትሒ ንምንዳይን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ አካይዶም ኣለው።

ኣብ ክንዲ ኣብ ፀገም ኣብ መፍትሒ ጠመተ ብምግባር ንርክባት ህዝቢን ሓቢርካ ናይ ምንባር ክብርታትን ኣበርክሮ ክገብሩ ናይቲ ኣኼባ ናይ ክብሪ ጋሻ ዝኾኑ ኣምባሳደር ጥሩነህ ዜና ፀዊዖም።

“ክንድዝኾነ ይኹን ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ይሃልው ብዲሞክራሲያዊ ዝርርብን ብምክኣኣልን፣ሓቢርካ ብምስራሕ፣ብምንባር፣ ምልማዕን ምዕባይን ከምዝክኣል ትምህርቲ ዝውሰደሉ ክኸውን በብከባቢኡን ትካላት ትምህርትን ተመሳሳሊ ልዝባትን ንክቕፅል ዘለኩም ተስማዕነት ተጠቒምኩም ፍቕርን ሓድነትን ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ምዕባይል ከም እትቕፅልሉ ዘለኒ እምነት እገልፅ።”

መኽፈቲ’ቲ አኼባ ንመራኸቢ ብዙሃን ክፉት እንተነበረ እቲ ኣኼባ ግን ዕፁው ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ።

ንፖለቲካዊ ውድባት ብምውካል ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃቡ ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳን ናይ ኣምሓራ ማሕበራዊ ራእይ ፓርቲ ኣቦ መንበር ኣቶ ስዩም መንገሻን እቲ መድረኽ ፖለቲካዊ ፓርታት ብጥምረትን ብምርድዳእን ንምስራሕ ዕድል ዝህብ’ዩ ኢሎም።

ካብ ናይ ህዝብታት ግጭት ዝኾነ ይኹን ዘትርፍ የለን ዝበሉ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ንናይ ሓባር ሰላም ምስራሕ ኣድላዩ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ኣካያዲ ስራሕ ናይ ኦሮሞ ሚዲያ ኔትወርክን ተንታኒ ፖለቲካን ኣቶ ጀዋር መሓመድ ናይ ኦሮሞን ኣምሓራን ርክብ ኣብ ሓቂ ተመስሪቱ ክሕይል ኣለዎ ኢሉ’ሎ።

ከም ኣቶ ሌንጮ ለታ፣ዶ/ር ዲማ ነገዎ፣ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁንን ዝአመሰሉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ካልኦት ኣብቲ ንኽልተ መዓልታት ዝካየድ ኣኼባ ተረኺቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG