ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ባይቶ ሊብያ ሓዲሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝቖመ ይሕብሩ


ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ዝተመርጸ ፋቲሒ ባሻጋ -ፋይል
ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ዝተመርጸ ፋቲሒ ባሻጋ -ፋይል

ኣባላት ባይቶ ሊብያ ሓዲሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምዝቖመ ይሕብሩ`ለዉ- እዚ ማለት ድማ ካልእ ተደራቢ ምምሕዳራት ክፈጥርን ኣብታ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ግጭት ዘላ ሊብያ ተወሳኺ ወጥሪ ዝፈጥርን ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ዝተመርጸ ፋቲሒ ባሻጋ ትማሊ ሰሉስ ካቢንኡ ናብቲ ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዝመደበሩ ባይቶ ወከልቲ ነቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቕራቡን 92ብ101 ድምጺ ከምዘጽደቕዎ ሓቢሩ'ሎ።


እንተኾነ ንባዕሉ ካብ ምብራቓዊት ከተማ ሚስራታ ዝኾነ ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ዝጸንሐ ዓብዱል ሓሚድ ድበይባ፡ ነቲ ለውጢ ከምዘይቅበል ድሕሪ ምፍላጡ ሽሕ`ኳ ንዳርጋ ሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ተዛማዲ ሰላም እንተጸንሐት እታ ሃገር ናብ ኩናት ከይትምለስ ተሰጊኡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG