ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን ኢትዮጵያ ዝነበሩ 9 ተኸሰስቲ ተፈቲሖም


ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ዝርከቡዎም እሱራት ሎሚ 9 ጥሪ 2023 ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም።

ጉዳዮም ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ብቤት ፍርዲ ፌደራል ክረአ ዝፀነሐ 9 ተኸሰስቲ ሎሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም። እቶም ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፀንሑ ናይ ቀደም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን ኢትዮጵያ፤ ም/ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣቶ ያሬድ ዘሪሁንን ኣብቲ ትካል ናይ ስራሕ ሓላፊ ዝነበሩ ኣቶ ኣማኑኤል ኪሮስን ዝርከቡዎም 9 ተኸሰስቲ እዮም። ኩሎም ድማ ሎሚ ከምዝተፈትሑ ድምፂ ኣሜሪካ ካብ ስድራ ተኸሰስቲ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ቤት ፍርዲ ፌደራል፣ ልደታ መጋባእያ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ እቶም ትሽዓተ ተኸሰስቲ ካብ 3 ክሳብ 5 ዓመት ብዝነውሕ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ወሲኑ ነይሩ። ካብኣቶም እቶም ሰለስተ ናይ ማእሰርቲ ጊዜኦም ስለዝዛዘሙ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ዕለት ንክፍትሑ ወሲኑ እዩ። ምኽትል ዋና ዳይሬክተር ኣቶ ያሬድ ዘሪሁን ዝርከቡዎም እቶም 6 ተኸሰስቲ ድማ ካብ ዝተትሓዝሉ 30 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ጀሚሮም ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ስለዝተኣሰሩ፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ብኣመክሮ ከምዝፍትሑ ጠበቓ እቶም ተኸሰስቲ ኣቶ ክፍላይ መሓሪ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም ነይሮም።

እቶም ሎሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ሰባት ቅድም ክብል ብገበን ብልሽውና ተኸሲሶም ዝነበሩ ኾይኖም፣ ዳሕራይ ግን ጉዳዮም ምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተኣሳሰር ስለዝተገለፀ፣ ክሶም ተለዊጡ ብሕጊ ገበን ክከላኸሉ ከምዝተወሰነ ኣቶ ክፍላይ ሓቢሮም።

ቤት ፍርዲ ፌደራል ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ነበር ኣቶ ጌታቸው አሰፋን ካልኦት ሓለፍቲ እቲ ትካልን ካብ 18 ዓመት ክሳብ 9 ወርሒ ናይ ማእሰርቲ ጊዜ ክቕፅዑ ከምዝወሰነ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG