ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቡነ ማትያስ ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይ ንፈለማ እዋን መቐለ በፂሖም


ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ -ፋይል
ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ -ፋይል

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ትማሊ ናይ ዝዓረፉ ብፁእ አቡነ ዮሃንስ ዳግማዊ ሰነስርዓት ምፍናው ክሳተፉ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ንፈለማ ግዜ ሎሚ ረቡዕ ናብ ከተማ መቐለ ተጓዒዞም።

ትማሊ ዝዓረፉ ላዕለዋይ ሓላዊ መንፈሳዊ ኮሌጅ ፍራሚናጦስ ኣባሰላማ ከሳቴ ብርሃንን ደብረሰላም ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስትያን መቐለ ብፁእ ኣቡነ ዩሃንስ ዳግማዊ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ዞባ ማእከል ክልል ትግራይ ከባቢ ይሓ ስነ ስርዓት ቀብሮም ፅባሕ 23 ለካቲት ክፍፀም እዩ።

ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስቲያን ኣብ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ምፍናው ዝተረኸቡ ፓትሪያርክ ብፁእ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም።

“ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሽም ዘይተውሃቦ ኣብ ካልእ ዓለም ዘይተፈፀመ በደል እዩ በፂሕዎ። እዚ ሓሊፉ ዳግም ምርኻብን ዘሐጕስ’ዩ፡” ዝበሉ ኣቡነ-ማቲያስ፡ “እታ ሐዚ ተረኺባ ዘላ ጭላንጭል ሰላም ድማ ክትፀንዕ ይምነ፡” ኢሎም።

እቶም ቅዱስ ፓትርያርክ ኣብ ትግራይ ዝርክቡ ሊቃነ-ጳጳሳት ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወሰዱዎ መርገጺ ዝበሉዎ ኣይነበረን።

ኣቡነ ማትያስ ናብ ከተማ መቐለ ምስ ክልተ ሊቃነ ጳጳሳትን ካልኦት መራሕቲ ቤተክርስትያን እዮም ተጓዒዞም፡ ዝነበሮም ፃንሒት ዛዚሞም ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG