ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

" ኣበርክቶ ኒብሲ ሃስል ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ብነባርነት ክዝከር ክሰርሕ'የ" ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ


ኒፕሲ ሃሰል / ካረን ባስ
ኒፕሲ ሃሰል / ካረን ባስ

ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ካረን ባስ ኣበርክቶ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ኒብሲ ሃስል ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ብነባርነት ክዝርከር ከምእትሰርሕ ኣፍሊጣ።

ካረን ባስ ወኪል ዞባ 37 ካሊፎርንያ ማለት ኒብሲ ሃስል ዝዓበየሉ ከባቢ ዘጠቓልል ደቡባዊ ክፋል ሎስ ኣንጀለስ ብምውካል ኣብ ባይቶ ኣመሪካ እትሰርሕ ዘላ ፖለቲከኛ ኣባል ሰልፊ ደሞክራት እያ።

ካረን ባስ፤ ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ኒብሲ ሃስል ንዝዓበየሉ ከባቢ ብምሕጋዝን ወፍሪ ገይሩ ብምምዕባልን ዝገበሮ ኣበርክቶ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ክምዝገበሉ ዘኽእል ስራሕ ከምእትፍልም እያ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ ኣረጋጊጻ።

ኒፕሲ ሃሰል
ኒፕሲ ሃሰል

ኣባል ባይቶ ካረን ባስ ኣቐዲማ ንሳ ዝመርሓቶን ሓደስቲ ወከልቲ ህዝቢ ማለት ካብ ኮለራዶ ዝተወከለ ካብ ኤርትራውያን ስድራ፡ቤት ዝውለድ ኮንግረስማን ዮሴፍ ንጉሰን ካብ ሶማልያውያን ትውለድ ኮንግረስዉማን ኢልሃን ዑማርን ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ሒዛ ኣብ ኤርትራ ዑደት ገይራ ምንባራ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG