ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሽሓት ተወላዶ ትግራይ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ይሳቐዩ-ጸብጻብ ሮይተርስ


ሓደ ካብ ንማእሰርቲ ዘገልግሉ መካዚኖታት
ሓደ ካብ ንማእሰርቲ ዘገልግሉ መካዚኖታት

ቦታን ግዜ ሸፈነን ንምትእኽኻል ብዘይ ናይ ትሕዝቶ መሰረታዊ ለውጢ መጠናዊ ምሕጻር ዝተገብረሉ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ።

ሰራሕተኛ ረዲኤት ዝዀነ ወዲ 36 ዓመት ተስፋዬ ወልደማርያም፡ ንኽልተ ሰሙናት ዝኣክል ብዓሶ ርእሲ ተሳቕዩ። ኣብቲ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ሒዙ ዝነበረ ሚዛን ተፈሪ ዝተባህለ ቤት-ማእሰርቲ፡ ተስፋዬ መታን መቐርቀሪ መደቀሲ ክረክብ ካልኦት እሱራት ደው ክብሉ ነይሩዎም። እቶም ቦታ ንኽገድፉ ደው ዝበሉ፡ ብሰንኪ ጽበት ቦታ ደው ብምባል ኣእጋሮም ዝደምበወ’ዩ።

ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ዝርኣየሉ፡ ኣብ ከምኡ ዝመስል ህድሁድ ማእሰርቲ ደርዘን ኣቢለን ይበጽሓ ምንባረን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣረጋጊጹ። ከም ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተተሓሒዙ፡ ኣብ መንጎ ወርሒ ሕዳርን ለካቲትን ኣስታት 15-ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ብኣልማማ ተኣሲሮም ነይሮም።

መንግስቲ መብዛሕትኦም ከም ዝተፈትሑ ይሕብር። እንተዀነ ኣስታት ትሽዓተ ሽሕ ዝበጽሑ ገና ኣብ ማእሰርቲ ከም ዘለዉ ይግመት።

እቶም ዜጋታት ተታሒዞምሉ ዝነበሩ ግቡእ ናይ መሳለጥያታት ማእሰርቲ ዘየማልእ ከም ዘይተወድእ ህንጻታት፡ ኣብያተ-ሲነማ፡ ፋብሪካታትን ካልእ ዘይምቹዋት ስፍራታትን’ዮም። ኣብቲ ቆልዓ፡ሰበይቲ እንኮላይ ዝተታሕዙሉ ኣብያተ-ማእሰርቲ ማህረምቲ፡ ጥሜትን ምጕስቓልን ዝውቱር ምዃኑ ሮይተርስ ዘዘራረቦም እሱራት ነበር ይሕብሩ። ስእነት መድሃኒት ልሙድ ኰይኑ፡ ገለኣቶም መሰረታዊ ቀረብ ንምርካብ ነቶም ዋርድያ ጉቦ ምሃብ ዝውትሩ ምንባሩ ይጠቕሱ።

ብሰንኪ ዝነበረ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ስእነት መድሃኒትን 17 እሱራት ከም ዝሞቱ ሮይተርስ ይጽብጽብ።ሮይተርስ ብዛዕባ’ዚ ምላሽ ንምርካብ ንሓያሎ ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒን ካልኦት ሰብ-መዚን ሓቲቱ፡ ምላሽ ግን ኣይረኸበን። ተስፋዬ ወልደማርያም ሓደ ካብቶም ዝሞቱ’ዩ። ሓገዝ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን፡ ሕማሙ ኣመና ስለ ዝኸበደን ዝተሓላለኸን ክድሕን ኣይከኣለን።

ማእሰርቲ ተወላዶ ትግራይ በበይኑ ማዕበላት’ዩ ነይሩዎ።

ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚቸል ባችለት እቶም እሱራት ብመንነቶም ጥራይ ግዳያት ምዃኖም ትሕብር። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ’ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

ፖሊስ ንጥርጡራት ገበን ጥራይ ዒላማ ከም ዝገብሩን ዝኣሰሩን ይሕብሩ። መሰኻኽር ግን ብቛንቋኦምን መንነቶም ብዝሕብር ምስክር ወረቐትን ጥራይ ግዳያት ኴንና ይብሉ።

ኣብቲ ተስፋዬ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ሚዛን ተፈሪ ዝተባህለ ስፍራ 18 ሸላታት ነይረን። መስኮት’ውን ዘይብለን ሽዱሽተ ብሓሙሽተ ሜትሮ ስፍሓት ዘለወን ሸላታት’የን። ሓደ ኣብኡ ተኣሲሩ ዝነበረ ዜጋ፡ ኣብ ሓንቲ ሸላ 183 ሰባት ተኣሲሮም ምንባሮም ይምስክር። ካልእ ድማ 176 ኣብ ተመሳሳሊ ስፍራ ምንባሮም ይሕብር። ናይ ሚዛን ተፈሪ ማእሰርቲ ሸላታት ኣብ ኣርባዕተ ትርብዒት ሜትሮ ዕስራ ሰባት የዕቊቡ ነይሩ።

ሰብ-መዚ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝከኣሎም ኩነታት ከመቻችኡ ከም ዝጸዓሩ ይዛረቡ። እሱራት ግን ንባልዕ፡ ቍማልን ተላገብቲ ሕማማትን ተቓሊዕና ይብሉ። ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ፡ ብስእነት ክንክን ዝተጋደደ ሕማማት እሱራት ንሞትን ክውገድ ዝነበሮ ሕማማት ተቓሊዖም’ዮም። እቲ ቦታ ዓሳዊ ብምዃኑ ድማ ንኸም በዓል ተስፋዬን ካልእን ብቐረባ ግዳያት ገይሩዎም።

ሚዛን ተፈሪ ግን እቲ እንኮ ተወላዶ ትግራይ ብሕማቕ ተታሒዞምሉን ብሰንኪ ስእነት ክንክን ዝሞቱሉን ቤት ማእሰርቲ ኣይኰነን። ንኣብነት ኣብ ቀጽሪ ዋቸሞ ዩኒቨርስቲ፡ ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣስታት 1,200 ዝበጽሑ ተወላዶ ትግራይ ተኣሲሮም ምንባሮም ወሃብ-ቃል እቲ ወረዳ ንሮይተርስ ሓቢሩ። እቲ ወሃብ-ቃል “መጽለሊ” ደኣ ኢሉ ይግለጾ እምበር፡ እቶም ኣብኡ ተታሒዞም ዝነበሩ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመልሱ ተጋሩ’ዮም። ኣብ ዩኒቨርስቲ ዋቻሞ ተታሒዙ ዝነበረ ትግራዋይ፡ ናይ መግቢ፡ ማይን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ዝጥቀስ ሕጽረት ዘይምንባሩ ይሕብር። መድሃኒት ግን ይገዝኡ ምንባሮም ጠቒሱ። ቅርበት ዘለዎም ሰባት ብውሑዱ ክልተ ሰባት ምሟቶም ይሕብሩ።

ኣብ ካልእ ቦታ፡ ኣብ ምስ ትግራይ ዘዳውብ ናይ ዓፋር ክልል፡ ኣባዓላ ኣሽሓት ተወላዶ ትግራይ ተገፊፎም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንማእሰርቲ ኣምሪሖም። ብዛዕባ’ዚ ማእሰርቲ ኣመልኪቱ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መብርሂ ዝሃበ ምንጪ፡ ኣብ መንጎ ሸውዓተን ዓሰርተ-ክልተን ሽሕ (7,000፡12,000) እሱራት ምህላዎም ይነግር። እሱራት ኣብ ክፉት መካበብያ ብዘይ ግቡእ ኣተኣላልያ ተኣሲሮም ምህላዎም ምንጭታት ይሕብሩ። ብሳትላይት ዝተላዕለ ምስልታት ነቲ ቦታ ከለልዮ ክኢሉ ኣሎ። ክልል ዓፋር ግን ብዛዕባኡ ተሓቲቶም ምላሽ ኣይሃቡን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተታሕዙ ተወላዶ ትግራይ፡ ናብ ካልእ ቅድሚ ምግዓዞም ኣብ ኣባ-ሳሙኤል ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ምጽናሖም ይጠቕሱ። ቍጽሪ እሱራት ናይቲ ኣብቲ ብጽበት ቦታን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሓለውቲ ዝልለየሉ ቤት ማእሰርቲ ኣባ-ሳሙኤል ካብን ናብን መሰኻኽር ይፈላለ’ዩ። ገሊኣቶም’ውን ኣብ ክልል ዓፋር ተኣሲሮም ዝነበሩ፡፡ብጥሜት ዝማሰኑ እሱራት፡፡ ከም ዝተሓወሱዎም ይገልጹ።ከም ሓበሬታ መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ኣባ-ሳሙኤል ተወላዶ ኦሮሞ’ውን ተሓዊሶም ነይሮም። ናብ ገለ ካብቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከብጽሕ ዕድል ዝረኸበ ጠበቓ፡ እቲ ዝረኣዮ ማእከላት መሰረታዊ ቀረባት ዘይነብሮ’ዩ። ገሊኡ ናይ ውልቀ-ሰባት ዘይተዛዘመ መኻዚኖታት ወይ ድማ ፋብሪካታት’ዩ።

ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገስጋሶም ድሕሪ ምቕያሩን ንትግራይ ምስሓቦምን፡ ኣብ መንጎ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ብዙሓት ተወላዶ ትግራይ ተፈቲሖም’ዮም። ካልኦት ኣሽሓት ገና ከም ዘለዉ ግን በበይኖም ምንጭታት የርድኡ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ድሕሪ ዝተኣወጀ ምቍራጽ ተጻብኦታት ድማ ዛጊት ብዅሉ ወገናት ኣብ ደውታ’ዩ ዘሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ መራሕቲ ትግራይ ንምዝርራብ መጽናዕቲ ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG