ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሽሓት ተኸፈልቲ ደሞዝ መንግስቲ ብኣካል ኣይተረኽቡን


ፋይል - ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ
ፋይል - ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ካብ 3,500 ክሳብ 5,000 ዝበጽሑ ስሩዕ ደሞዝ ዝቕበሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብኣካል ዘየለዉን ዘይስርሑን ምዃኖም ሓቢሮም።

እቶም ፕረዚደንት ወሲኾም፡ እታ ሃገር ደሞዝ ሰራሕተኛታት ንምኽፋል ከም እትጽገም ድሕሪ ምግላጽ፡ እቶም ኣብ ዘይሰርሑሉ ካብ ካዝና መንግስቲ ክሰርቁ ዝጸንሑ ብብልሽውና ክሕተቱን ነቲ ዝወሰዱዎ ክምለሱዎም ምዃኖም ገሊጾም።

ፕረዚደንት ሓሰን ነዚ መግለጺ ኣብ ስሩዕ ናይ ዓርቢ ስግዳን’ዮም ተዛሪቦሞ።

ዝተፈላለያ ትካላት፡ ሶማል ካብተን ዝኸፍአ መንግስታዊ ብልሽውና ዝካየደላ ሃገራት ምዃና ኣብ ዳህሰሰን ክሕብራ ጸኒሐን’የን።

መንግስቲ ሶማል ነዚ ክፍተት’ዚ ክረክብ ዝኸኣለ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመልኪቱ ብዝገበሮ ዳህሳስ ምዃኑ ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሞቃዲሾ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG