ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስትራዘኒካ ንኦሚክሮን ክኸላኸል ዝኽእል ክታበት የዳልው ምህላው ገሊጹ


ብሪጣናውን ስዊዲናውን ፋብሪካ መድሃኒት ኣስትራዘኒካ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ብምትሕብባር፥ ብፍላይ ንኦሚክሮን ዝከላኸል ሓዲሽ በዓል ክልተ ዶስ ክታበት ኮሮናቫይረስ የማዕብሉ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

እቲ ክታበት ኣብ adenvirus(ዝውቱራት ቫይረሳት) ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ብመሰረት ማዮ ክሊኒክ፡ ናብ ናይ ሰብ DNA ከይተሓወሰ ዝውሃብን፡ ምስ ናይ ጆንሰን አንድ ጆንሰን ንጽል ክታበት ኮቪድ19ተመሳሳልነት ዘለዎን`ዩ።

ሳንዲ ዳግላስ ፡ኣብ ኦክስፎርድ መራሒት ጉጅለ'ቲ መጽናዕቲ'ያ፡ ንጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ክትገልጽ ከላ፡ እቲ ሓዲሽ ኣብ ዝውቱራት ቫይረሳት ተመስሪቱ ዝውሃብ ክታበት ንዝኾነ ሓዲሽ ፈልቂ ቫይረስ ካብ ቅድሚ ሎሚ ዝጸንሑ ቀልጢፉ መልሲ ናይ ምሃብ ዓቕሚ ኣለዎ ትብል።

ብኻልእ ወገን ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ክፍሊ ኤውሮጳ ዶ/ር ሃንስ ክሉጅ፡ ከም ኣብ ብሪጣንያ:ደንማርክን ፖርቱጋልን ዓብላሊ ኮይኑ ዘሎ ኦሚክሮን፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከምዝዕብልልን ንስርዓታት ሕክምና ድሮ ናብ ገምገም ቅልውላው ይመጦ ከምዘሎን ይገልጽ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ክፍሊ ኤውሮጳ ክሳብ ፍርቂ 2022 ኤውሮጳ ተወሳኺ 700 ሺሕ ግዳያት ኮቪድ ከምትርኢ`ውን ይግምት።

እስራኤል ድማ ንዝርግሐ ኦሚክሮን ንምክልኻል ብፍላይ ንልዕሊ 60 ዓመት ዕድመን ድኽመት ዓቕሚ ምክልኻል ሰውነት ዘለዎምን ራብዓይ ዶስ ክታበት ኮቪድ ትህብ ኣላ።። እዚ ራብዓይ ክታበት፡ሳልሳይ ምስ ተዋህበ፡ብውሕዱ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝውሃብ`ዩ። ንዜጋታታ ብምኽታብ ንዓለም ትመርሕ ከምዘላ ትገልጽ እስራኤል ፡ ትማሊ ሰሉስ ብውሕዱ 340 ሓደሽቲ ኦሚክሮን ዝተታሕዙ ብድምር 1300 ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ መዝጊባ`ላ፡።

ኣብ ኦሳካ፡ ናብ ስግር ባሕሪ ናይ መገሻ መዝገብ ዘይብሎምሰለስተ ኣባላት ስድራቤት፡ ምስ ተመርመሩ በቲ ሓዲሽ ቫይረስ ኦሚክሮን ፖሲቲቭ ተባሂሎም።

ታይላንድ ትማሊ ፈላማይ ምትሕልላፍ ፈልቂ`ቲ ሓዲሽ ቫይረስ ምስ ረኸበት ንገያሾ ወጻእተኛታት ግዴታዊ ውሸባ ኣዚዛ`ላ፡ ።በዚ መሰረት ናይ ክታበት ምስክር እንተ ኣርኢኻን ተመርሚርካ ሕለፍ ብናጻ ተዛወር ዝብል ዝነበረ ፖሊሲያ ትቕይሮ`ላ ማለት`ዩ። ኣገዳሲ ክፋል ቁጠባ ታይላንድ ዝኾነ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ለበዳ ኮሮና፡ ከምዝወደቐ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG