ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 90% ካብ ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ሓገዝ ኰይኑ ምህላዉ ሕ/ሃገራት ይገልጽ


ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ዝጽበዩ
ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ዝጽበዩ

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ንትሽዓት ኣዋርሕ ኲናት ዝተኻየድሉ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ፡ ኣጠቓላሊ ገምጋም ኣውጽኡ ኣሎ። ኣብቲ ብዂናት ዝተሓመሰ ከባቢን ብሳዕቤን’ቲ ደማዊ ኲናት ዝማህመነን ሕብረተሰብ ድማ ኣስታት 90% ተጸበይቲ ሓገዝ ኰይኖም ኣለዉ ይብል።

ወታሃደራት ኢትዮጵያ ነታ ክልል ካብ ሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ ንምምንዛዕ ብ4 ሕዳር,2020 ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ዝጀመረ ኲናት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም፡ ክልተ ሚልዮን ዝበጽሑ ድማ ካብ መንበሪታቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ።

ኣብቲ ክልል: ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህዝቢ ብጥሜት ይሳቐዩ ምህላዎም ዝገለጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ 400-ሽሕ ካብዚኣቶም ኣብ ኣፈፌት ዓጸቦ ከም ዘለዉ የመልክት። ብሰንኪ ስእነት ማእዛታት መግቢ፡ ኣሽሓት ህጻናት ንዝኸፍአ ሓደጋ ተቓሊዖም ኣለዉ።

ብመሰረት ወሃብ ቃል ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ጀንስ ላርኪ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ማለት ኣስታት 90% ናይ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ’ቲ ክልል--ናብ ተጸባዪ ሓገዝ ወሪዱ ኣሎ።

“ነቲ ብፍጥነት ዘንቈልቍል ዘሎ ሰብኣዊ ሕሰም ንምግታእ ምስ ዘሎ ዉሱን ግዜ ድጋፍ መግቢ ንምግባር ኣጸጋሚ’ዩ። መግቢ ዝጸዓና መካይን መዓልታዊ ናብ መቐለ ክኣትዋ ኣለወን። ኣወሃሃድቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ህዝቢ ክልል ትግራይ ንዘድልዮ ንምምላእ ብውሑዱ 500 ጽዕነት ዓበይቲ መካይን ሙሉእ ቀረባት ብብሰሙን ከም ዘድሊ ገምጊሞም። እዚ ግን ክገበር ኣይተኻእለን።”

ካብ ምዝዛም ወርሒ ሰነ ንደሓር፡ ክሳብ ሕጂ፡ ሓገዝ መግቢ ጽዒነን ናብ ክልል ትግራይ ዝበጽሓ መካይን 50 ጥራይ ምዃኑን ላርኪ የመልክት።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ንጉዳያት ህጹጽ ኩነታት ማርቲን ግሪፍስ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይገብር ኣሎ። ግሪፍስ፡ ኵነታት ንምግምጋም ናብ ክልል ትግራይ ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ንግሪፍስ ዝበደመ ቅርጺን ብዂናት ዝጃጀውን ህዝቢ ክቕበሎ ምዃኑ ድማ ተዓዘብቲ ይግምቱ።

ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ሲቪላዊ ህዝቢ ትግራይ፡ ብሰንሰለታዊ ግፍዒ በበይኖም ሓይልታት ክደሃኽ ከም ዝጸንሐ ላርኪ ይዛረብ።

“ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ክፍጸም ጸኒሑ’ዩ። ካብ መንጎ’ቲ ዝተኻየደ በደል፡ ንጾታዊ ዓመጽ ከም መወጋኢ ምርኣይ’ዩ። ኣስታት 1,600 ዝበጽሑ ጾታዊ ዓመጻት ምስ መጥቃዕታትን ተመዝጊቦም ኣለዉ። መደባራት ጥዕና ደይ-መደይ ኢልካ ተጠቒዖምን ተዘሚቶምን። ካብተን ዝነበራ ኣስታት 40 መደበራት ጥዕና ትግራይ፡ ሕጂ 16 ጥራይ’ተን ዝሰርሓ ዘለዋ። ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ኣደታትን ጎራዙትን ዝዕቆባሉ ወይ ሓገዝ ዝረኽባሉ ማእከል ጥዕና የብለንን።”

ላርኪ ኣስዒቡ ድማ ሕቡራት ሃገራት ካልኦት ውልቃውያን ትካላትን ኣብቲ ኣመና ዘይምቹእን ሓደገኛን ከባቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ይሕብር። ክሳብ ሕጂ 12 ሰራሕተኛታት ረዲኤት ተቐቲሎም ምህላዎም ድማ የመልክት። ኣብ መንጎኦም እቶም ብኣዝዩ ኣስካሕካሕኪ ኣገባብ፡ ብ24 ሰነ ዝተቐትሉ፡ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ወለንታዊ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም’ዮም።

ወሃብ ቃል ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ገንዘብ’ውን እቲ ካልእ ፀገም ምዃኑ የመልክት። ቤት ጽሕፈቶም ነቲ ናይ ህይወት-ኣድሕን ስራሕ ብግቡእ ክዓሞ እንተዀይኑ ክሳብ መወዳእታ’ዚ ዓመት’ዚ 430-ሚልዮን ኣመሪካ የድልዮ።

XS
SM
MD
LG