ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 73 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ


ኦፕን ኣርምስ ዝተባህለት ናይ ስፔን መርከብ ህይወት ኣድሕን ትማሊ ረቡዕ ኣስታት 73 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓና ተገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ንኣስታት 24 ሰዓታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጽንሖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ክልተ ካብቶም ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ማእከላይን ምዕራብ ኣፍሪቃን ዝመጹ ክኮኑ ከለው ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኣብ ዝተጻዕነት ማይ ዝኣተዋን ሞተራኣ ዝተሰብረ ንእሽተይ ጀልባ ተጻዒኖም ምንባሮም ተገሊጹ’ሎ።

መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት በሰላ ናይ ምንዳድን ንነዊሕ ኣብ ጨዋይ ማይ ምቓልዕ ዝመጽእ ቁስሊ ከምዘለዎም አባላት ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየደት መርከብ ይሕብሩ።

ብመሰረት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ መጀመርያ ትሸዓተ ኣዋርሕ’ዚ ዓመት ጥራይ ኣስታት 994 ሰባት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ኣብ ምብጻሕ ከምዝሞቱ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG