ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 60  ስደተኛታት ዝፀዓነት ጀልባ ኣብ ቀላያት ቱርኪ ምጥሓላ ተገሊጹ


ኣስታት 60 ስደተኛታት ዝፀዓነት ጀልባ ኣብ ቀላያት ቱርኪ ምጥሓላ ተገሊጹ።

ሚንስትር ውሽጢ ሃገር ቱርኪ ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን እታ ጀልባ ጥሒላትሉ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ምብፅሖም ገሊፁ ኣሎ።

ሰበስልጣን ብሄልኮፕተራት ዝተሓገዘ ፍተሻ የካይዱ ኣለው።እታ ጀልባ 27 ሰነ 2020 ምጥፍኣ ይግለጽ’ሎ።እታ ጀልባ ካብ 110 ክሳብ 120 ሜትሮ ዕምቀት ኣብዘለዎ ቀላይ ከምዝጠለቐት እውን ሚንስትር ወሽጢ ሃገር ቱርኪ ሱለይማን ሶይሉ ገሊጾም ኣለው ።

ምስ እዚ ብዝተኣሳሰረ 11 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርቲ ነቲ ሓደጋ ኣብ እዋኑ ብዘይምግላፆም ካብ ሓላፍነቶም ምልዓሎምን ሶይሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

እቶም ስደተኛታት ካብ ፓኪስታን፣ ኣፍጋኒስታንን ኢራንን ዝመፁ ምዃኖም ይእመን።

XS
SM
MD
LG