ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 58 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ማውሪታንያ ምጥሓሎም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣስታት 58 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ማውሪታንያ ምጥሓሎም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ማውሪታንያ ገሊጾም።

እታ ዝጠሓለት ጀልባ ኣስታት 150 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ገማግም ባሕሪ ጋምብያ ተበጊሳ ናብ ናይ ስፔን ደሴታት ካናሪ ተመርሕ ከምዝነበረት ተፈሊጡ’ሎ።

ይኹን ደአ እምበር እታ ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ማውሪታንያ ምስ በጽሓት ነዳዲ ከምዝወደአት ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ንዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሓቢሮም ኣለው።

ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ስፔን ዝካየድ ምስግጋር ስደተኛታት ሓደ ካብቲ ቀንዲ መተሓለለፊ ስደተኛታት እንተነበረ ኣብ 2000 ዓ.ም ስፔን ንሓለዋ ባሕሪ ብምሕያላ እቲ ዝካየድ ፈተና ምጉዳሉ ይፍለጥ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስታት 58 ስደተኛታት በቲ ሓደጋ ምሟቶምን ካል ኦት ኣስታት 83 ሓምቢሶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ማውሪታንያ ብምጽሖም ሓገዝ ከምዝተገብረሎም ይሕብር።

ሚንስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ማውሪንታንያ እቲ ሓደጋ ከምዝጋጠመ ብምርግጋጽ ገለ ካብቶም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ሓቢሮም ኣለው።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት በዚ መንገዲ ስፔን ንምብጻሕ ካብ ዝተጓዕዙ ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ኣስታት 97 ምሟቶም ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG