ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 50 ኣባላት ሓገግቲ ኣካል ኡጋንዳ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም


ኣስታት 50 ሓገግቲ ኣካላት ኡጋንዳን ተሓጋገዝቶምን ድሕሪ ናይ ታንዛኒያ ዑደቶም ብቫይረስ ኮሮና ምልካፎም ካብ ኡጋንዳ ዝመጸ ዜና የመልክት።

እቶም ሓገግቲ ኣካላት ስፖርታዊ ግጥማት ንምዕዛብ ክብሉ ንኣሩሻ ታንዛኒያ ተጓዒዞም ነይሮም።

እቲ በበይኑ ዓይነታት ስፖርት ዘጠቓለለ ምሕዝነታዊ ግጥማት ንታንዛኒያ፡ ብሩንዲ፡ ኬንያን ዘሳተፈ ክኸውን እንከሎ፡ ተወከልቲ ደቡብ-ሱዳንን ሩዋንዳን ግን ካብቲ ምሕዝነታዊ ውድድር ከም ዝበዀሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

ካብቶም ናብ ታንዛኒያ ተጓዒዞም በቲ ቫይረስ ምልካፎም ዘረጋገጹ ኣባላት ሓገግቲ ኣካል ኡጋንዳ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ልዑል ናይ ኣተሓሕዛ ፍልልይ ከም ዘሎ ይጠቕሱ። ኣብ ታንዛኒያ ዝርኣዩዎ ሸለልትነትን ኣዝዩ ከም ዘሰከፎም ድማ ኣይሓብኡን።

ታንዛንያ ኣብ ፈለማ ሓደ ዓመት ኣብ ሃገራ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ከም ዘይነበረ ክትሕብር ደኣ ትጽናሕ እምበር፡ ዳሕራይ ድሕሪ ምምሕያሽ ኣተሓሓዛ እቲ ሕማም ኣብታ ሃገር’ውን ገና ቍጽሪ መልከፍቲን ሞትን ብግቡእ ከም ዘይሕብር ጸብጻባት የመልክቱ።

ኡጋንዳ ዛጊት 130 ሽሕ መልከፍቲ ኮቪድ19 ክትምዝግብ እንከላ፡ 3,300 ዜጋታት’ታ ሃገር ድማ ብሰንኪ ምትሕላኽ እቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ካምፓላ የመልክት።

XS
SM
MD
LG