ኣብ 9 ጣብያታት ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ብድምር 41 መናእሰይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስደት ከምርሑ ምሟቶም ንወለዶም ከምዝተነገረ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ መምህር ገብረመድህን ገረዝግሄር ገሊፆም።
እቲ ብ29 መጋቢት 2011 ዓ.ም ዘጋጠመ ሓደጋ ሞት መናእሰይ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምኻድ ልዕሊ ዓቀን ኣብ ጃልባ ተፃዒኖም ንምስጋር ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጋጠመ እቶም ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወሲኾም ገሊፆም።
ካብ ግዳያት ዘይሕጋዊ ስደት ሓደ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ግደይ ዝብሃል ይርከቦም። ወላዲ ግደይ ኣይተ መብራህቱ መዝገበ “ወደይ ብ19 መጋቢት 2011 ዓ.ም ካብ ኣፅቢ ተበጊሱ ናብ መቐለ ከምዝከደን ብኡ ኣቢሉ ንሸቅሊ ናብ ስዑድ ዓረብ ከምዝከይድ እየ ዝፈልጥ ሕዚ ግን ብቤተሰብ ኣቢሉ መርድእ ይንገረና ኣሎ። ኩነታቱ ቀስ ኢልና ከነፃሪ ኢና ሕዚ ግን ኣብ ሓዘን ኢና ዘለና” ኢሎም።
ብዘይካ እዚ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ንጉሰ ገብረሃንስ እውን ግዳይ ዘይሕጋዊ ስደት እዩ። ሓው ንጉሰ ካልኣዩ ገብረሃንስ ድማ ሓወይ ንስራሕ ኢሉ ንስዑድ ዓረብ ከምዝተበገሰ ይፈልጥ። ኩነታት ኣማውቱ ቀስ ኢልና ክንሓትት ኢና ድሕሪ ምባል ሞት ሓው ካብ ዝሰምዑ ካልኣይ መዓልቲ ምቑጻሮም እውን ይሕብር።