ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 30 ትካላት ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ቅሉዕ ደብዳበ ንዋና ጸሓፊ ሕ/ሃን ቀወምቲ አባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ጽሒፎም


30 ትካላት ኣብ ክልል ትግራይ ህውከትን ዓፀቦን ከብቅዕ ዝፅውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ቀወምቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታን ፅሒፈን።

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒው ዮርክ ይካየድ ኣብዘለሉ ሕጂ እዋን እዘን 30 ትካላት ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣንቶኒዮ ጉተርዝን ንወኪላት ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ህውከትን ዓፀቦን ከብቅዕ ስጉምቲ ክወስዳ ዝፅውዕ ናይ ሓባር ደብዳበ ፅሒፈን ኣለዋ።

እቲ ደብዳበ ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስቪላት ካብ ረድኤት፣ ባንኪ፣ ኮሚኒኬሽን ተበቲኾም ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ዓፀቦ ዝመስል ኩነታት ገጢሙዎ ኣለው ኢሉ ።እቲ ደብዳበ ወሲኹ ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ውግእ ፆታዊ መጥቓዕቲን ጥምየትን ሓዊሱ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ናይ ኵናት መሳርሒ ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም ይብል ።

እቲ ሎሚ ዝወፀ ደብዳበ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታን ነቲ ህዝቢ ንምሕጋዝ ዝስዕቡ ኣርባዕተ ስጉምታት ክወስዱ ፀዊዑ ኣሎ።

ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብን ቶኽሲ ጠጠው ክብልን ኩሎም ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይን ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለዋ ክልላትን ክወፁ ክፅውዑ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፃዕርታት ረድኤት ዝዕንቅፉ ምዕፃው ሰብኣዊ ረድኤትን ቢሮክራሲያዊ ማሕለኻታትን ከልዕሎ ክሓቱ፣ተፈፂሞም ዝብሃሉ ክስታት ገበናት ኵናትን ካልኦት መግሃስታት ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ ረድኤትን ዝምርምር ዓለምለኸ ተቖፃፃሪን ገለልተኛ ምርመራን ክዋፈር ድፍኢት ክገብሩን ከም ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝኣመሰሉ ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝሓቖፈ ሃገራዊ ዘተ ክካየድ ከተባብዑን ይፅውዕ።

እቲ ደብዳበ ምስ ወፀ ምኽትል ፕረዚደንት ፕሮግራምን ፖሊስን ዓለምለኸ ስደተኛታት ሃርዲን ላንግ ‘’መሪሕነት ሕቡራት ሃገራት ወሳኒ እዩ፤ ንኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ መንጎ ህይወትን ሞትን ዘሎ ኣፈላላይ ማለት እዩ’'ኢሎም። ኣስዕብ ኣቢሎም ‘'ብሰንኪ ጥምየት ሞት እናወሰኸ ብዝኸደ ቁፅሪ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ ፀጥታን ግዜ ቅድሚ ምሕላፉ ህይወት ንምድሓን ቕልጡፍን ዕቱብን ስጉምቲ ክወስዱ ነተሓሳስብ’’ኢሎም።

ላንግ ብምውሳኽ "እቲ እገዳ ናይ ግድን ክልዓልን ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ወገናት ሰብኣዊ ረድኤት ክበፅሕን እቶም ወገናት ነቲ ግጭት ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ስምምዕነት ከናድዩን ንፅውዕ’’ ኢሎም ።

ነቲ ደብዳበ ካብ ዝፈረሙ ኣካልት ገሊኦም ጥምረት ንህንፀት ሰላም፣ሕምባሻ ንዓለም፣ናይ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ልምዓት ካውንስል፣ዓለማዊ ማእኸል ሓላፍነት ንምክልኻል፣ጃኮብ ብላውቲን ኢንስቲትዩት ንምስጓም ሰብኣዊ መሰላት፣ዓለምለኸ ስ ደተኛታት፣ማእኸል ንግዳያት መስቀይትን ናይ ኣመሪካ ኮሚቴ ንስደተኛታትን ስዱዳትን ይርከቡዎም።

XS
SM
MD
LG