ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ሰባት ብሰንኪ እሳተ ጎመራ ካብ ኮንጎ ይመዛበሉ


 ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ሰባት ብሰንኪ እሳተ ጎመራ ካብ ኮንጎ ይመዛበሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:09 0:00

ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ሰባት ብሰንኪ እሳተ ጎመራ ካብ ኮንጎ ይመዛበሉ

ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርአ እሳተ-ጎመራ፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ዘፈናቕል ዳርጋ ክልተ ዓመት ኮይኑ። ኣሸሓት፡ ገና ኣብ ካምፕታት ኣብ ዝነብርሉ ዘለዉ እዋን፡ካብ ግጭት ዝሃድሙ`ውን ተወሲኾሞም፡ ዝጸንሐ ሕጽረት ቀረብ ረድኤት እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ።

ስድራቤት በትሪቺ ባርመሮ ካብ መንጎ`ቶም ብቮልካኖ ንዪራጎንጎ ገዛውቶም ዝሰኣኑ 20 ሺሕ ስድራቤታት ሓንቲ`ያ። ካብ ሽዕኡ ጀሚሮም ምስ ካልኦት ኣማኢት ሰባት፡ ኣብ መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ካዪምበ ይነብሩ`ለዉ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ምንቅስቓስ መጋቢት 23 ዝተባህሉ ዕጡቓትን ዝተወልዐ ኲናት ድማ ፡ ተወሰኽቲ ኣፈናቒሉ ናብቲ ካምፕ ከምዝኣትዉ ጌሩ፡ ብእኡ መጠን ድማ ሕጽረት ቀረባትን ሕጽረት ጸጥታን ከስዕብ ክኢሉ።

በትሪቺ ባርመሮ 'ጓል 17 ዓመት ጓለይ ዝሓለፈ ጥሪ ዕንጸይቲ ክትኣሪ ምስወፈረት ተጠቒዓን ተዓሚጻን` ትብል።

“ጓለይ ኣብ ሆስፒታል እያ ዘላ። ዝብላዕ`ውን የብልናን። ኣብቲ ካምፓ ንሳቐ ኢና ዘለና። ጓለይ ካብ ካልኦት ዝሓመሙ ሰባት`ያ ትበልዕ ዘላ። ኣብቲ ካምፕ ብዘይ ሓገዝ ክልተ ዓመት ጌርና።"

ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓትን ዘሎ ግጭት `ውን ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ካብ ክፍለ-ግዝኣት ሰሜናዊ ኪቩ ተፈናቒሎም ኣለዉ። ብዙሓት ካብኦም ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ጎማ ዝርከብ ካዪምበ ዝተባህለ ካምፕ ተዓቑቦም ይርከቡ።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንገለ ካብቶም ብቮልካኖ ዝተፈናቐሉ ሰባት ኣብ ልዕሊ`ቲ ላቫ ማለት ዝመኸኸ ከውሒ ኣባይቶም ዳግም ክሃንጹ መሳርሕታት ሂቦሞም`ዮም። ኣብቲ ካምፕ ዝነብሩ 800 ዝኾኑ ስድራቤታት ግን ዝተቐበልዎ ነገር ከምዘየለ`ዮም ዝዛረቡ። ባሃቲ ማሪ፡ ወኪል`ቶም ተፈናቐልቲ`ዩ ብቋንቋ ስዋሂሊ ከምዚ ይብል።

“መጀመርያ ንበልዖ ነገር የድልየና። ካልኣይ ካብዚ ከውጽኡና`ዩ ድልየትና። መስርሒ ገዛ ዝረኸቡ ሰባት ኣለዉ ንሕና ግን ወላ ሓንቲ ኣይረኸብናን። ገዛውትና ዝሃንጸልና ንደሊ ኣለና።”

ፕረዚደንት ማሕበር ተፈናቐልቲ ቮልካኖ ንዪራጎንጎ ማምባ ካዋያ፡ ብቮልካኖ ዝተፈናቐሉን ብግጭት ዝተፈናቐሉን ንረድኤት`ዮም ዝቀዳደሙ ዘለዉ ይብል።

“መንግስቲ ንተፈናቐልቲ ቮልካኖ መሳርሕታት ህንጻ ከቕርበሎም ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣምን። ብኸምኡ እዮም ድማ ካብቲ ዘለውዎ ካምፓታት ክወጹ ዝኽእሉ። ነቲ ቦታ መንግስቲ ክሳብ ዝቆጻጸሮ ድማ ነቶም ብግጭት ዝተፈናቐሉ ካልኦት ብጾቶም ቦታ ክገድፍሎም ይኽእሉ።”

ሰበ-ስልጣን`ቲ ኸባቢ ብዛዕባ`ቶም ተፈናቐልቲ ቮልካኖ ርእይቶ ክህቡ ተሓቲቶም መልሲ ኣይሃቡን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ወተሃደራት ብሩንዲ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ጎማ ኣትዮም ኣለዉ። ኣካል ዓቃቢ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክኾኑ ከለዉ፡ ኣብቲ ተጸጊሙ ዘሎ ከባቢ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ሰላም ኣብ ምስፋን ክሕግዙ ተስፋ ይገብሩ።

XS
SM
MD
LG