ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 200 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ኢጣልያ ምእታዎም ተገሊጹ


ፋይል

ልዕሊ 200 ካብ ባሕሪ ሚዲተራንያን ዝደሓኑ ስደተኛታት፥ ትማሊ ሰንበት ኢጣልያ ኣትዮም። እቶም 62 ቆልዑት ዝርከብዎም ስደተኛታት ብሰለስተ ናይ ጎማታት ጀላቡ ጌሮም ካብ ሊብያ ከምዝተበገሱ`ዩ ዝእመን። ናይ ጀርመን ምክትታል ባሕሪ ዝተባህለ ገባሪ-ሰናይ ትካል ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሩ ብዘካየዶ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ምድሓኖም’ውን ይገልጽ።

ቅድሚ ናብ ውሸባ ምውሳዶም ሕክምናዊ መርመራ ከምዝተገብረሎም`ውን ተሓቢሩ`ሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ልዕሊ 40 ሺሕ ስደተኛታት ነቲባሕሪ ከቋርጹ ክብሉ ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ይጽብጽብ።

XS
SM
MD
LG