ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ብውሕጅ ይመዛበሉ


ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘጋጥም ዘሎ ተደራራቢ ውሕጅን ብርቱዕ ዝናብን ንልዕሊ 909 ሽሕ ዜጋታት ካብ መንበሪታቶም ኣመዛቢሉን ሕርሻታት ኣዕንዩን።

ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብርቱዕ ዝናብ ሕርሻታት ሓጺቡ፡ መጓሰ ወሲዱን ጽርግያታትን ኣብያተ-ትምህርቲ የዕንዩን።

ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ብኸቢድ ተሃስያ ዘላ ክፍለ-ሃገር ባሕረ-ልጋዛል ንቀንዲ መራኸቢታት ድልድል ብምፍራሱ ተመዛበልቲን ዜጋታትን እቲ ከባቢ መሰረታዊ ኣገልግሎት ተሓሪሞም ኣብ ከቢድ ሽግር ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣብታ ከም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ኣርባዕተ ካብ ሓሙሽተ ዜጋታት ኣብ ድኽነት ዝነብሩላ ምዃኑ ዝሕበረላ ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን፡ እዚ ባህርያዊ ሓደጋ ነቶም ኣስታት 11 ሚልዮን ዝበጽሑ ዜጋታት ብኸቢድ ጸልዩ ከም ዘሎ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG