ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ዩክሬናዊያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምስዳዶም ተሓቢሩ


ኣስታት ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ዩክሬናዊያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምስዳዶም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:08 0:00

ኣስታት ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ዩክሬናዊያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምስዳዶም ተሓቢሩ

ኣስታት ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ዩክሬናዊያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምስዳዶም ተሓቢሩ

ካብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ድሕሪ`ቲ ወራር፡ ልዕሊ ሓደ ሚልየንን ፈረቓን ስደተኛታት ኣብ ሓደ ግዜ ክስደዱ ዝለዓለ ቁጽሪ`ዩ ፡ እዚ ድማ ኣብ እንግድዓ ጎረባብቲ ሃገራት ኤውሮጳ ዝወድቕ ዘሎ`ዩ።

መብዛሕቲኦም ብዶብ ፖላንድ ዝሰግሩ ዘለዉ፡ ናብ መዕቆቢ ማእከላት ብኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ከም ዝኣትዉ`ዩ ዝግበር ዘሎ። ገሊኦም ኣብ ፖላንድ ቤተሰብ ወይ መሓዙት ዘለዎም ናብኦም ይኣትዉ`ለዉ። ብዙሓት ግን ናብ ዝኸድዎ ስለዘይብሎም ናብ መዕቆቢ እዮም ዝኣትዉ። ገሊኦም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክድቅሱ ገለ ዓራት ዝመስል ይወሃቦም ።

ፖላንድ፡ ነዚ ገዚፍ ቁጽሪ ስደተኛታት ብኸመይ ክተመሓድሮ ከምዝኸኣለት ዝድነቕ`ዩ ይብል፡ ነዚ ጸብጻብ ዝለኣኸ ሀንሪ ሪጅወል። ኣስዒቡ፡ በብመዓልቱ ኣሸሓት ስደተኛታት ይውሕዙ ስለዘለዉ ግን እቲ ምትእንጋድ ክሳብ መኣስ ክቕጽል ከምዝኽእል ኣይፍለጥን ይብል።

የቭጀኒያ ዝተባህለት ካብ መንጎ ስደተኛታት ሓንቲ ምስ ሰለስተ ደቃ ዝሰገረት ብዛዕባ ሕሰም`ቲ ኩነታት ከምዚ ትብል፡

"በዓል ቤተይ፡ ኣብ ዮክሬን`ዩ ተሪፉ ዘሎ። ክወጽእ ኣየፍቀድሉን። ዝዓበየ ወደይ ድማ 18 ዓመት ስለዝኣኸለ፡ ናብ ምክልኻል ክጽንበር ኣብኡ ተሪፉ`ሎ። ስለዚ ተፈላሊና ኢና ዘለና። ኣብዚ ግን እዞም ዝተቐበሉና ወለንተኛታት ናብ ዝደለናዮ ክንከይድ ወይ ሰሪሕና ክንነብር ዕድላት ይህቡና ኣለዉ። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሸኸም ንኸይንኸውን ክንሰርሕ ኢና ንደሊ" ትብል።

ኣብቲ ዝዕቆብሉ ዘለዉ ቤት ትምህርቲ ሓላፊት መማህራን ማልጎርዛታ ዚይበር ድማ፡ ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ናታ ናብዮት ተዓቑቦም ከምዘለዉ ትገልጽ፡

"እቲ ዝኸፈአ ግዜ ብለይቲ ክመጹና ከለዉን ናይ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ህጻናት ከይተረፈ ክንቅበል ከለናን`ዩ። ብጣዕሚ ልብኻ ዝትንክፍ ኩነታት`ዩ፡ ኩሉ ዝኽእሎ ኣይኮነን፡ ግን ንሕና ብልዑል መንፈስ ክንገብሮ ኢና። ክሳብ ክንደይ ከምዝወስድ ኣይንፈልጥን፡ ግን ክሳብ ዝኸኣልናዮ ክንሕግዝ ኢና" ትብል።

ካብቲ ቤት ትምህርቲ ቀጺሉ ድማ፡ ናብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝተቐየረ ባህላዊ ማእከል ኣሎ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝረክቡ ለጋሳት ነበርትን ኣብያተ ንግድን፡ ሕልፍን ትርፍን ሓገዝ ክዋጻኣሎም ይርኣይ።

ኣብቲ ዶብ ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ነዊሕ ዝጸንሐ`ዩ። ኣብታ ፕሪዝምስል ትብሃል ከተማ ዘሎ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ንዩክሬናውያን ኣገልግሎት ጸሎት ይገበር ። እቲ ኣገልግሎት ጸሎት ድማ ናብ ምልእቲ ፓላንድ ብቐጥታ ይመሓላለፍ።

ሕጂ ብዙሓት ካብዞም ዩክሬናውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ናብ ዓዶም ክምለሱ ተስፋ ይገብሩ። እንተኾነ ኣብታ ዝገደፍዋ ሃገር፡ ሞትን ዕንወትን ኣብ ዝርእይሉ እዋን እቲ ተስፍኦም እናደረቐ ይኸይድ ምህላዉ ይርኣየካ።

XS
SM
MD
LG