ኣስመራ —
ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊ ጋንታታት ማእከላይን ምብራቕ ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ትሕቲ 15 ዓመት ኬንያን ብሩንዲን ካብ ምድብ 1:ኡጋንዳን ሩዋንዳ ከብ ምድብ 2 ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፈን።ረቡዕ 28 ነሓሰ ኬንያ ምስ ሩዋንዳ: ኡጋንዳ ምስ ብሩንዲ ክገጥማ'የን።
ምስዚ ብዝተአሳሰር ሎሚ 26 ነሓሰ : ሓለፍትን ተሳተፍትን ውድድር ሴካፋ ናብ ልምዓታዊ ቦታትት በጺሖም።