ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብህይወት ከሎ፥ናይ ስልክን ናይ ጽሑፍ መልእኽቲን መፈራርሒ ይበጽሖ ከም ዝነበረን ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ገሊጸን


ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ
ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብህይወት ከሎ፥ ናይ ስልክን ናይ ጽሑፍ መልእኽቲን መፈራርሒ ይበጽሖ ከም ዝነበረን፥ `እንተሞይተ ብኦነግ ሸኔ`የዝመውት` ይብል ከም ዝነበረ፥ ከምኡ`ውን ምስ ህወሓት ኣብ መሪር ኩነታት ከምዝነበረ ናይ ድምጽንናይ ሰብን ጭብጥታት ረኺብና`ለና ኢላ።

ምስ`ቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝትሓሓዝ፥ ናይ ሰብን ናይ ማተሪያላትን መራጋገጺ ሰነዳት ሒዝና'ለናዝበለት ወ/ሮ ኣዳነች፥ ንተጠርጠርቲ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲና እቲ ገበን ተፈጺምሉ ዝተባህለብረት'ውን ኣብ ኢድና ሒዝና እቲ መርመራ ቀጺሉ'ሎ ኢላ።

ዓቃቢት ሕጊ ኣዳነች ኣቤቤ፥ እቲ ጉዳይ ነቶም ቕጥታ ኣብቲ ቅትለት ንዝተሳተፉ ጥራይ ዝምልከትስለዘይኮነ ምስቲ ቕትለት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ተሳትፎ ይህልዎም'ዩ ዝተባህሉ ብድምር 18 ሰባት ኣብትሕቲ ቀይዲ ኣእቲና መርመራና ቀጺልና ኣለና ትብል።

እቲ ስጉምቲ ካብ ፖለቲካዊ ጣልቃ ናጻ ንክኸውንን ምስ ሕገመንግስታውን ዓለምለኻውን ሕግታትምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ንኸይጋጮን እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ይግበር ኣሎ ንዝብል ሕቶ ድማ ብኸምዚዝስዕብ ትምልስ፥

" ኣብ ዝኾነት ሃገር ፥ ሓደ ገበን ክፍጸም ከሎ ሃገራት በቲ ዘለወን ትካላት'የን ዝኸዳ ፡ኢትዮጵያ ድማሕጋዊ ትካላት ኣለዉዋ፡ ዓቃቢ ሕጊ ኣለዋ፡ፖሊስ ኣለዋ፡ቤት ፍርዲ ኣለዋ ስለዚ ሕጊ ኣለዋ ማለት'ዩ።ሕቶ ክመጽእ እንተኾይኑ ካብዚ ስርዓተ ሕጊ ወጻኢ ዲና ወይስ በቲ ሕጊ ኢና ንኸይድ ዘለና ዝብል'ዩዝኸውን፡ ስለዚ ንሕና በቲ፥ ስርዓተ-ሕጊ'ዛ ሃገር ዝሃበና ሓላፍነት ዓቃቢ ሕጊ ፖሊስ ቤትፍርዲንተጠቒምና ኢና ንሰርሕ ዘለና።ካልኦት ከም ኣባላት ድሕነት ዝበሉ ክሕግዙና ይኽእሉ'ምበር ብቐጥታ ኣብስራሕና ኣይሳተፉን'ዮም። ንሕና ኣቀዲሙ ብዝወጸ ናይ ገበናት ሕግን ስነስርዓትን ኢና ንሰርሕ።ስለዚ ሕጊተኸቲልና ኢና ንሰርሕ ዘለና።"

ኣቶ ጃዋር መሓመድ ኣቶ በቀለ ገርባ ኣቶ እስክንድር ነጋ፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዘለዉ ይፍለጥ'ዩ’ሞ፡ ጉዳዮምመርመርኦም ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ፡ እዞም ውልቀሰባት ብናይ ሓባር ስራሕ ድዮም ወይስ በብናቶምገበን ተጠርጢሮም'ዮም ጉዳዮም ዝርኣይ ዘሎ፡ ካብ ተፈላጥነቶም ወጻኢ`ኸ ዓቃቢ ሕጊ እኹል መረዳእታኣለኒ ኢሉ ይኣምን'ዶ ዝብል ሕቶ'ውን ቀሪቡላ ኔሩ:

ንሳ ክትምልስ ከላ "ብልክዕ፡ ንሕና ከም ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ገበን ተሳቲፎም ኢልና ንምእማን ንምጥርጣር ዘኽእለና ብቑዕ መረዳእታ ኣብ ኢድና ሒዝና'ለና።መብዛሕቲኦም ኢድ ብኢድ ዝሓዝናዮምመረዳእታታት'ዮም።ብተክኖሎጂ ተጠቒምና ዝሓዝናዮም ሰነዳት'ውን ኣለዉና። ናይ ሰባት ናይ ዓይኒምስክራት'ውን ሒዝና'ለና" ኢላ።

ኣስዒባ ጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያድሕሪ ሞት ኣርቲስት ሃጫሉ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትንብዙሕ ጉድኣት ወሪዱ'ዩ፡ ስለዚ ኣብዚ ጉድኣት’ዚ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ተሳትፎኦም ዘርኢመረዳእታታት ኣብ ኢድና ኣሎ ኢላ ።" ካብ ተለፎን ሃጫሉ ዝረኸብናዮ ተወሳኺ መረዳእታ ኣሎ ፡እዚ ናይ ቅትለት መፈራርሒ ክኸውን ከሎ፡ብቐጥታ "ኣነ ናይ ኦነግ ሸኔ ተዋጋኣይ እየ፡"ዝብል መፈራርሒ'ዩ። ድሕሪኡ፡ ሃጫሉ ኣብ OMN ቀሪቡዝበሎን ዝተባህሎን ናይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲን ድምጽን በየናይ ስልክን ዝብሉ ኩሎም ኣብ ኢድናኣለዉ። ንሱ'ውን ብህይወት ከሎ ንመሰኻኽርና ዝነግሮም ዝነበረ፡ ከምኦም ዝበሉ ምፍርራሓት ካብ መንይመጽዎ ከም ዝነበሩ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን እንተሞይተ ብኦነግ ሸኔ'የ ዝመውት ኢሉ ይዛረብ ከም ዝነበረንይገልጽ ኔሩ'ዩ።

ካልኣይ ድማ ምስ ሕወሓት ኣብ መሪር ነገር ከምዝነበረን፡ እንተሞይተ፡ እናበለ ይዛረብ ከም ዝነበረንዝገልጹ ምስክራት ቃሎም ሂቦም ኣለዉ። ንሕና ግን ብዋናነት ተኲሰ ዝቐተልኩ እወ ኣነ'የ ዝበለ ምስብረቱ ሒዝና'ለና። ካልኣይ ድማ ምስ ሃጫሉ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ነቲ ቀታሊ ብመልክዑ ኣላልያ እቲ ሰብንሱ ምዃኑ ናይ ምስክርነት ቃላ ሂባ'ያ፡ ስለዚ ነዞም ጭብጥታት ሒዝና ኢና ንህዝብና ክንሕብር ዝደለና"።

ጠቕላሊት ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ዝውሃብ ፍትሒ ከይተደናጎየ ብቕልጡፍ ክውሃብኣለዎ ንዝብል ጉዳይ ክትገልጽ ከላ ድማ፥ "ፍትሒ ቀልጢፍካ ንምሃብ ዝምልከት ሓቂ'ዩ፡ ፍትሒ ኣብግቡእ ግዜ ክውሃብ ኣለዎ ክጉተት የብሉን።ኣብ ሃገርና ክመሓየሹ ዘለዎም ዘጓትቱ ብዙሓት ነገራትኣለዉ።ኣብኡ ብብቕዓት ክንሰርሕ ከምዘለና እኣምን'የ፡ ቤት ጽሕፈተይ'ውን ከምኡ'ዩ ዝኣምን።ለውጢክነምጽእ ኢና ኢለ'የ ዝኣምን። ነገር ግን ኣብ ሃገርና ዝፍጸሙ ዓበይቲ ገበናት ነናይ ባዕሎም ምኽንያትኣለዎም" ኢላ።

ኣስዒባ ኣብ ጉዳይ ሰነ 16፡ ቀደም ሓላፊ ስለያን ድሕነትን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋተታሒዙ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ ኢሉ ቤት ፍርዲ ብምእዛዙ፡ ንዕኡ ንምሓዝ ብዙሕ ጻዕሪ ተኻይዱ'ዩ፡ግን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ናይ ምሕባእ ኩነታት ስለዘሎ፡ብሰለማዊ መንገዲ እንተዘይተታሒዙ፡ምትዃስ'ዩክመጽእ፡ ንሓደ ሰብ ንምሓዝ ኢልካ ድማ ተወሳኺ ናይ ካልእ ሰብ ህይወት ምጥፋእ ከስዕብ የብለይን ብዝብል ዓቃቢ ሕጊ መከራኸሪ ኣቕሪቡ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብ ዘይተረኸበሉ ናብ ቤትፍርዲ ምኻድ ዝብል'ዩ ዘሎ፡ ካልኦት ዝተታሕዙ ሓሙሽተ ሰባት ቀሪቦም ናይ መከላኸሊ ምስክራቶምከይተረፈ ኣቕሪቦም ወዲኦም ውሳነ ዝጽበ ዘሎ'ዩ፡" ዝበለት ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ናይ ሰነ 15 ናይ በዓልጀነራል ሰዓረ ቅትለት ጉዳይ'ውን ቀታሊ ዝተባህለ ሕክምንኡ ክሳብ ዝውድእ ተደናጉዩ ሕጂ ግን ቤትፍርዲ ቀሪቡ'ሎ፡ ከምኡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ቅትለት ናይ በዓል ዶ/ር ኣንባቸው 'ውን ተራገበን ስለዘይኮነ እቲ መስርሕ ቀሊል ኣይነበረን።ከምኡ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድማ ናይ ኮሮናቫይረስ ዕንቅፋት ኣጋጢሙና'ዩ፡ ሕጂ ግን ብተክኖሎጂ ማለት ብቪርቹዋል መስርሕ ቤት ፍርዲ ዝተጀመረሉ ኩነታት'ዩዘሎ ኢላ።

ኣብዚ መስርሕ ፍርዲ ቅትለት ሃጫሉ ግን ብዝክኣል መጠን ነቀላጥፎ ኣለና፡ ናይ በዓል ኣቶ ጃዋር'ውንብዙሕ መረዳእታታት ኣኪብና ኣለና፡ ናይ በዓል ኣቶ እስክንድር'ውን ናይ ሰባት ምስክርን ሰነዳትንኣኻኺብና ኣለና፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ክሲ ንኣትወሉ ኩነታት ኣሎ። ኣብ ኦሮሚያ ዝተፈጸሙ ገበናትድማ ጉጅለታት ኣቑምና ናይ ምጽራይን መርመራን ስራሕና ቀጺልና ኣለና። ጭብጥታቶም ሒዞም ምስመጹ ናብ ክሲ ንኣትወሉ'ዩ ዝኸውን ኢላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG