ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርተፊሽላዊ ብልሒ ንልምዓት’ዶ ንጥፍኣት? ጻንሖት ምስ ዶ/ር ትምኒት ገብሩ


ኣርተፊሽላዊ ብልሒ ንልምዓት’ዶ ንጥፍኣት?ጻንሖት ምስ ዶ/ር ትምኒት ገብሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:43:09 0:00

ኣርተፊሽላዊ ብልሒ ንልምዓት’ዶ ንጥፍኣት?ጻንሖት ምስ ዶ/ር ትምኒት ገብሩ

ዶክተር ትምኒት ገብሩ፡ ምርቕቲ ኮምፕዩተር ሳይነስ ካብ ስታንፎርድ ዩኒቨርስቲ ኰይና፡ ኣብ ዓውዲ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ/ምስሩሕ ብልሒ (artificial intelligence) ካብተን ኣብ ቅድሚት ዝስራዓ ደቂኣንስትዮ ኢያ።

ካብ ኤርትራውያን ስድራ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ ዝዓበየት ትምኒት ኣብ ታሕሳስ 2020 ካብ ኩባንያ ጉግል ሃንደበት ድሕሪ ምስጓጓ ኣቓልቦ ብዙሕ ማዕከናት ዜና ዓለም ስሒቡ ነይሩ። እቲ ፍጻመ ንትሽዓት ኣበላት ሰነት ኣመሪካ’ውን ንኩባንያ ጉግል ደብዳበ ጽሒፎም ጉዳያ መብርሂ ክግበረሉ ሓቲቶም ነይሮም። ድሕሪ ምብራር ዶክተር ትምኒት 2700 ሰራሕተኛታት እቲ ትካልን ልዕሊ 4300 ፍሉጣት ተመራመርቲን ኣባላት በርጌሳውያን ማሕበራትን ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ጽሒፎም ነይሮም።

ንሎሚ ንረብሓታትን ሓደገኝነትን ኣርተፍሻላዊ ብልሒ፡ እቲ ዓውዲ ዝሓቶ ስነ-ምግባርን ዶ/ር ትምኒት ካብ ኵባንያ ጉግል ድሕሪ ምውጻእ እትነጥፎ ዘላ ዓውዲን ኣመልኪትና ዓዲምናያ ኣሎና።

XS
SM
MD
LG