ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርባዕተ ዲፕሎማት ኣየርላንድ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ተነጊሩዎም


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣየርላንድ
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣየርላንድ

ኣርባዕተ ካብ ሽዱሽተ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ኤምባሲ ኣየርላንድ ንዝመጽእ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝተነገሮም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ንመንግስቲ ኣየርላንድ ብምጥቃስ ኣመልኪቱ።

ምስጕግ ናይዞም ዲፕሎማት ምስ መንግስቲ ኣየርላንድ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ዝወሰዶ መርገጺ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣምባሳድር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንሳ ምስ ሓደ አባል'ቲ ኤምባሲ ክትጸንሕ ከምትኽእል እቶም ካልኦት ግን ካብታ ሃገር ክወጹ ከም ዝተሓበሮም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጠቒሱ።

ካብ 1994 ኣትሒዛ ኣብ ኢትዮጵያ ዲፕሎማት ዝጸንሑዋ ኣየርላንድ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት 185 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዝገበረት ተመልክት። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ከኣ በቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ኣዝዮም ሕዙናት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፡ መርገጺ መንግስቶም ድማ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብቲ ጉዳይ ዝመሳሰል ምዃኑ ብምሕባር እቲ ኲናት ብዘተ ክፍታሕ ደጊሙ ኣመልኪቱ።

XS
SM
MD
LG