ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምንስቲ ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካይዱ ዘለው ቲቦር ናዥ ብዛዕባ እሱራት ክሓቱ ይጽውዕ


ኣብ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዢ ኣብ ኤርትራ ብሰላማዊ ኣገባብ ሓሳቦም ብነፃነት ብምግላፆምን ብጉዳይ እምነትን ዝተኣስሩ ኩሎም ክፍትሑ ክሓቱ ኣለዎም ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምጋሾም ኣብዘውፅኦ መግለፂ ፀዊዑ ነይሩ።

ጉዳይ ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ዘለዋን ኣብ 15 ዓመታ ኣብ 2012 ንፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ብምጥሓስ ካብታ ሃገር ክትወፅእ ኣብ ዝተፈተንትሉ እዋን ዝተኣስረትን ሲሃም ዓሊ ኣብቲ መግለጺ ከም ኣብነት ተጠቂሱ’ሎ።ንሳ ምስ ኻልእ ሰብ ከምዘይትራኸብን ስድርኣ ሪኦምዋ ይኹን ብዛዕብኣ ሰሚዖም ከምዘይፈልጡን እቲ መግለፂ ይሕብር።

"ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ናዢ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ቕልጡፍ ፍታሕ ከምዘድልዮ ኣስሚሮምሉ እዮም፤ነዚ ንምግባር ድማ ካብዚ ዑደት እዚ ዝበለፀ ዕድል የብሎምን’’ ኢለን ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይሬክተር ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቃላይን ጆኣን ኒያንዩኪ።

"ቅድሚት ካብ ዝስራዕ ኣጀንድኦም ዝተሰምዖም ብምዝራቦም ብጃምላ ዝተኣስሩ እሱራት ሕልና ክኸውን ኣለዎ።ከም ሲሃም ዓሊ ዝኣመሰሉ ኣብ ቤት ማእስርቲ ኤርትራ ዝማስኑ ዘለው ኣሽሓት ሰባት ተኸሲሶም ወይ ተፈሪዱዎም ኣይፈልጥን።”

ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪካ ቲቦር ናዢ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከብቅዕን ልዕሊ 18 ኣዋርሕ ዘገልገሉ ድማ ብዘይውዓል ሕደር ክሰናበቱን ንሰበስልጣን ኤርትራ ክሓቱዎም መግለፂ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይፅውዕ።

ኤርትራ ነቲ ኽሲ ብተደጋጋሚ ትነጽጎ’ያ።ኤርትራ ኣባል ብርክት ዝበሉ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኾነትን ንኣተሓሕዝኣ በብእዋኑ ፀብፃብ ከም እተቕርብን ትገልፅ።

ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሕቡራት ሃገራትኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ክትኸውን ኣብዝተመርፀትሉ እዋን ከምዝገለፀቶ ኤርትራ መሰላት ዜጋታታ ንምሕያል ቅርብቲ ምዃናን ኣብ ኣገልግሎታት ትምህርቲን ጥዕናን፣ኣፍራይነት ሕርሻ፣ምንካይ ድኽነትን ምምዕባል መሰረተ ልምዓትን ኣገዳሲ ምምሕያሽ ከምዘመዝገበት ገሊፃ’ላ።

ኤርትራ ንዞባዊ ሰላም፣ምርግጋእን ፀጥታን ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ ቅድም ክብል ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዝወፀ ጽሑፍ ይሕብር።እቲ ጽሑፍ ከም ካልኦት ኣባል ሃገራት ኤርትራ ብድሆታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘለዋን ንምምሕያሽ ከም እትሰርሕን እውን ትርዳእ እያ ይብል።ብሃናፃይ ፅምዶ ከም እትኣምንን ዕላማታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኩለን ሃገራት ብፅምዶ፣ብምትሕብባርን ብናይ ሓባር ምክብባርን ክፍፀም ከምዘለዎ ትግንዘብ ይብል።

እቲ ፅሑፍ ብተወሳኺ ከም መብዛሕቲአን ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራትን ኩለን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ኤርትራ ንድርብ መዐቀኒ፣ፖለቲካዊ ተበግሶን ንዝተወሰና ሃገራት ጥራሕ ዒላማ ከይኸውን ትቃወም ይብል።

መግለጺ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG