ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምንስቲ ኣብ ኤርትራ ንዝተአሰሩ 28 መራሕቲ ፖለቲካን ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ጸዊዑ


መንግስቲ ኤርትራ ‘ቅድሚ 18 ዓመታት ዝኣሰሮምን ዝሰወሮም 11 መራሕቲ ፖለቲካዊን 17 ጋዜጠኛታትን ንክፈትሖም’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።

ኣምነስቲ እቶም 11 መራሕቲ ፖለቲካ ዝተኣሰሩ ‘ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሃገራዊ ምርጫ ብምክያድ ንቅዋም ክኽብሩን ልዕልና ሕጊ ከረጋግጹን ንዝጽውዕ ጽሑፍ ብቃልዕ ድሕሪ ምውጸኦም’ዩ። እቶም 17 ጋዜጠኛታት ድማ ‘ንመግለጺ’ቶም ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣቃሊሕኩም’ ተባሂሎምዩ’ ይብል ።

ኩሎም እሱራት ካብ’ታ ዝተታሓዙላ ዕለት ኣትሒዙ ተሰዊሮም ኣለው: ክሳብ ሎሚ ድማ ናብ ፍርዲ ኣይቀረቡን።

ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተር ጨንፈር ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣዶተይ ኣክዌ ‘ነዛ ዕለት’ዚኣ መዓልቲ ሓዘን’ያ’ ኢሉ ይገልጻ።

ኣዶተይ ኣክዌ ‘ሎሚ መዓልቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ን18 ዓመት ንዕስራ ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝኣሰረላ መዓልቲ ዝኽሪ’ያ። እዞም እሱራት ዝራኣዮም ሰብ የለን። መብዛሕተኦም ምስ ጥዕነኦም እንተልዮም ብህይወት ኣለው እንተኾይኖም’ውን ዝፈልጥ ሰብ የለን’ ይብል።

ንሱ ‘ኩነታት’ቲ ዞባ መሰረታዊ ለውጢ ኣርእዩ’ዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣታተወ ለውጢን ተሃድሶን፣ ስለምንታይ ኣብ ኤርትራ’ከ ዝተለወጠ ነገር ኣይተራእየን ዝብል ሕቶ ንክልዓል ሓጊዙ’ዩ’ ይብል።

ብዛዕባ’ቶም እሱራት ምዝራብና ክንቅጽሎ ኣለና። ሎሚ ንከምበዓል ኣስቴር ፍስሃጽየን፣ ኣስቴር ዮሃንስን ጴጥሮስ ሰሎሞንን ካልኦትን ኢና ንዝክር ዘለና ዝበለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ‘እዞም ሰባት’ዚኣቶም ተረሲዖም ከምዘይተርፉን መንግስቲ ኤርትራ ንረዘንቲ ሕቶታት ክምልስ ጸቕጢ ክሕይሎን ነቲ ማእሰርቲ ምኽንያት ንከቕርብን ምግባርን ከምዕላማ ከምዝተታሓዘ’ ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣምንስቲ ኣብ ኤርትራ ንዝተአሰሩ 28 መራሕቲ ፖለቲካን ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ጸዊዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:54 0:00


XS
SM
MD
LG