ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምንስቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሒ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ብቐዳምነት ክስርሓሉ ጸዊዑ


ኣምንስቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሒ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ብቐዳምነት ክስርሓሉ ጸዊዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:35 0:00

ኣምንስቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሒ ንግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ብቐዳምነት ክስርሓሉ ጸዊዑ

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘካየዶ ውግእ ግዳያት ፆታዊ መጥቓዕቲ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ክረኽባ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀቅጢ ክገብር ፀዊዑ።

ብኻልእ መዳይ ድማ ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ጎንፂ ኣብ ዘለዉሎም ከባቢታት ሱዳን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ደሕንነቶም ክሕሎን ፍትሕን ተሓታትነትን ክሕልው ፀዊዐን።

ከም መጠን ኣካል ከይዲ ሰላም ኢትዮጵያ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ፍትሒ ዝረኽባሉ ኣገባብ ከስፍን ሕብረት ኣፍሪካ ፀቅጢ ክገብር ተማሕፂኑ። ኣንፃር ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንዝተፍፀሙ ገበናት ተሓታታይ ኣካል ክህሉ ይግባእ ክብላ ተወካሊት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ሱኣድ ኑሩ ይዛረባ።

“ብዛዕባ ሰላም ክንዛረብ ከለና ኣብ ፍትሕን ተሓታትነትን ዝተመስረተ እዩ። ስለዝኾነ ፍትሕን ተሓታትነትን ንዝትየሉ መድረኽ ዘይህሉ እንተኾይኑ ብዛዕባ ሰላም ክንዛረብ ኣይንኽእልን።ብዛዕባ ሰለም ምዝራብ ቅድሚ ምጅማርና እዚኦም መበገሲ ክኾኑና ከምዝግባእ ኢና ንኣምን።”

ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ብሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ጉጅለ ምልሻን ሓይልታት ትግራይን ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብ ኣዊ መሰላት ዘርኢ ወፍሪ ኣካይዱ ነይሩ።

እቶም ተዋጋእቲ ኣካላት ብፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ዝምራሕ ሞንጎኛነት ሕብረት ኣፍሪቃ ተፃብኦ ጠጠው ንምባል ምስምማዖም ዝፍለጥ እዩ። ይኹንእምበር ከም ሓበሬታ እቲ ጉጅለ ግን ተሓታትነት ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ሕጋዊ ፍታሕ ዘርክብ ከይዲ መስርሕ ስጋብ ሕጂ ከምዘይተዳለወ ይግለጽ። እቲ ጉጅለ ተሓለቕቲ መሰላት ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣንፃር ንፁሃን ሰባት ገበናት ፈፂሞም እዮም ክብል እንተኸሰሰ'ውን ተቀባልነት ስኢኑ ፀኒሑ እዩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወካሊ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ፍሰሃ ተክሌ ብወገኖም መርመርቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንዝተፈፀሙ ሰብኣዊ ገበናት ዝምርምሩ ኣካላት ብዘይቀይዲ ዝኣትውሉ መገዲ ክመዓራረ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

“ኣምንስቲ ብተደጋጋሚ ናብቲ ከባቢ ኣትዩ ክምርምር ዝሓተተ ኾይኑ ንሕቶታትና መልሲ ዝህበና ግን ኣይረኸብናን። ኣብዚ እዋን ተመዝጊቦም ወይ ተስኒዶም ዝተትሓዙ ሰብኣዊ ጥሕሰት ዘርእዩ መረዳእታታት ኢና ንእክብ ዘለና። ኣብቲ እዋን ጎንፂ ብዛዕባ ኣብቲ ኸባቢ ዝተፈፀመ ጥሕሰት ንምውጋን ገና ብዙሕ ዝተርፎ እዩ። እቲ ዝተጀመረ ንክዛዘምን ሓቂ ድማ ክወፅእን ፈላማ ዘይሻራውያን መርመርቲ ናብቲ ኸባቢ ክኣትዉ ምፍቃድን ከምኡእውን ሰብኣዊ መሰላት ተበፃሕነት ምምዕርራይ ክረጋገፅ ይግባእ።”

ኦባሳንጆ ነቲ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ ዶቡብ ኣፍሪካ ዝተኸትመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ትግባርኡ ድፍኢት ንምግባር ኣብ ቀረባ ናብ ከተማ መቀለ ምኻዶም ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መብዛሕትአን ፀሊም ዝተኸደናን ፀሊም ባንዴራ ዝሓዛን ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣፍደገ ቤት ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰልፊ ብምክያድ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ሱዳን ደሕንነት ደቂ ኣንስትዮ ክሕሉን ስልጣን ናብ ህዝቢ ከውርድን ፀዊዐን።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሉእ ሱዳን ኣንፃር ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም መጥቓዕቲታትን ኣብ ቀረባ ምስ ብሉናይል ተተሓሒዙ ኣብ ክልላት ኮርዶፋን ዳርፉርን ንዝተፈጥረ ዘይምርግጋኣትን ሓዊሰን ኮኒነን እየን።

XS
SM
MD
LG