ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምንስቲ ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም መጥቓዕቲ ምውሳኹ ሓቢሩ


ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍፀም መጥቓዕቲ መሊሱ ይውስኽ ከምዘሎ ተሓቢሩ።ፀብፃብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝሓበሮ ምፍርራሕን ምድሃልን ሓዊሱ ኣብታ ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ካብ ዝኾኑ ቦታታት ዓለም ሓንቲ ዝኾነት ሶማል ዝፍፀሙ መጥቓዕትታት ልሙድ ይኸውን ኣሎ ኢሉ።

“ኣብ ውሽጢ ቀፃሊ ስግኣት ኢና ንነብር ዘለና’’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወፀ እዚ ፀብፃብ ኣምንስቲ ኣብ ጋዜጠኛታት ዝፍፀም ምፍርራሕን መቕተልትን ብእስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል-ሸባብ፣ፖሊስን ሰበስልጣን መንግስትን እዩ ዝፍፀም ክብል ይሕብር።

እቲ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ምምሕዳር ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ሸሞንተ ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም ኣለው።ሓሙሽተ ካብኦም ብመጥቓዕታት ኣል-ሸባብ፣ክልተ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሓደ ድማ ብፖሊስ ተቐቲሎም ኣለው ይብል።

XS
SM
MD
LG