ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምንስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ 54 ሰባት ምሟቶም ይገልጽ


አምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ምዕራብ ወለጋ፣ ወረዳ ጉሊሶ፣ ጋዋ ጋንቃ ኣብ ዝተባህለ ስፍራ ዝነበሩ 54 ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ከምዝተቀትሉ ገሊጹ።

እዚ ኣሃዝ’ዚ፣ ብመሰረት ዛጊት ዝተቆጽረ ኣስከረን ከምዝኾነ’ውን አምነስቲ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ከባቢ፣ ንሓለዋ ተዋፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ቀዳም ካብ’ቲ ቦታ ድሕሪ ምስሓቡ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ፣ ሰራዊት ኦነግ ሰንበት ነቲ ቦታ ከምዝተቆጻጸሮ፣ ህጻናትን ቆልዑን ኣረጋዊያንን ናብ ኣኼባ ትጽውዑ ኣለኹም ተባሂሎም ምስተኣከቡ፣ እቲ መጥቓዕቲ ከምዝተፈጸመ ንካብቲ መጥቓዕቲ ኣምሊጥና ዝበሉ ብምጥቃስ ኣምነስቲ ገሊጹ አሎ።

ኣብ ኣምነስቲ ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ጠንቂ እቲ መጥቃዕቲ ‘ናይቲ ከባቢ ጸጥታ ሰላማዊ ምኻኑ ብልክዕ ቅድሚ ምርግጋጹ፣ ሰራዊት ምውጽኡ ነቶም ሰላማዊያን ሰባት ንሓደጋ ኣቃሊዕዎም ኣሎ። እቲ ሰራዊት ስለምንታይ እዩ ካብቲ ከባቢ ወጺኡ? እኹል ሓለዋ ከይተገበረሎም ሰራዊት ምውጽኡ፣ ምርመራ ክግበረሉ ይግባእ’ ኢሎም።

ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ኣራርሳ መርዳሳ ብወገኖም ‘ብዝሒ ዝሞቱ 32 ከምዝኾኑ’ ንመሓውራት ዜና ኣፍሊጦም።

ብተመሳሳሊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃመት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት ብጽኑዕ ከምዝኾነንዎ ገሊጾም።

ንቤተሰብ ግዳያት መልእኽቲ ምጽንናዕ ዘሕለፉ እቶም ኣቦ መንበር፣ ንዝቆሰሉ ምሉእ ሕውየት ተመንዮም። ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር፣ ንፈጸምቲ እቲ ቅትለት ረኺቦም ናብ ሕጊ ንከቅርብዎም'ውን ሓቲቶም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝራኣይ ዓሌታዊ ግርጭት ዘልዐሉ ፋቂ ማሓመት፣ ኩሎም አካላት ካብ ተባራዒ መግለጺታት ክቁጠቡን ኣብ’ታ ሃገር ዝራኣይ ውጥረት ንምትህድዳእ ሓቢሮም ንክሰርሑን ጸዊዖም።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት ‘ፖለቲካዊያን ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ንኩሉ ኣብ ዘሳተፈ ሃገራዊ ልዝብ ንክአትውን ኣብ ዙርያ ቁልፊ ጉዳያት ናይ ሓባራዊ ምርድዳእ ንክገብሩን፣ ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ሙሉእ እቲ ዞባን ከቢድ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ’ ኢሎም ።

ገዛኢ ፓርቲ ክልል አምሓራ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ተወልድቲ ኣምሓራ ይፍጸም ንዘሎ ብሄር ተኮር ቅትለት ማሕበረሰብ ዓለም ንክኹንኖ ጸዊዑ።

ነቲ ይፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ዝሕተትሉ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን እዮም ዝበለ ፓርቲ ብልጽግና ኣምሓራ:ዝዓበየ ኣጀንዳ ህወሓት ንኢትዮጵያ ምፍራስ እዩ ክብል’ውን ከሲሱ ኣሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ወረዳ ጉሊሶ ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ብናጻ ኣካል ንክጻረ፣ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝመርሕዎ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ) ጸዊዑ።

ኣቶ ዳውድ "ዕለታዊ ሰባት እናተቀትሉ ንሰምዕ ኣለና፣ እንተኾነ፣ ተኸታቲሉ ንቀተልቲ ናብ ሕጊ ዘቅርብ፣ ውጽኢቱ ንህዝቢን ንስድራ ግዳያት ሓበሬታ ዝህብ ኣካል ኣይተረኸበን"ኢሎም ።

ብኣቶ ኣራርሶ ቢቂላ ዝምራሕ ፈጻሚ ስራሕ ኦነግ ብወገኑ፣ እቲ ኣብ ጉሊሶ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝተፈጸመ ቅትለት ኮኒንዎ ኣሎ።

ብዝተሳሰረ ዜና ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ‘ብሓይልታት ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኣምሓሩ ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ጭፍጨፋን ገበን ምጽናት ዓሌትን፣ ብመንግስቲ ዘየዳግም ስጉምቲ ንክወሰድ’ ሓቲቱ።

ገለ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ‘ብናይ መግለጺታት ብዝሒ ዝሕለፍ ጉዳይ ኣይኮነን፣ ክንዘራረበሉ ይግባእ፣ ከምመጠን መንግስቲ፣ እዛ ሃገር ካብ ምብትታን ክነድሕና ይግባእ’ ከምዝበሉ ዝመጸ ዜና ጠቂሱ።

ኣብ መንግስታዊ መሓውር ኮይኖም ምስ ሓይልታት ጥፍኣት ወጊኖም ዝሰርሑ ውልቀ ሰባት ክህልው ስለዝኽእሉ፣ ብትኩርነት ምጽራይ ከምዝግባእ ዝገለጹ ኣባላት ፓርላማ ከምዝነበሩ’ውን ሪፖርተርና ዝላኣኾ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ አብ መግለጺኦም ‘ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተኣታተወ ለውጢ ከምዝድግፉን፣ ኢትዮጵያ ናብ ጎደና ሰላምን ህድኣትን ኣብ ትገብሮ ጻዕሪታት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምሕግዛን’ ገሊጾም ኣለው።

11-03-20

XS
SM
MD
LG