ዋሽንግተን —
ፖሊስ ኬንያ ካብ ነሓሰ 2018 ጀሚሩ ኣብ ቅትለት 21 ሰባት ከምዝተሳተፈ ሂማን ራይትስ ዎች ሎማዕንቲ ረቡዕ ዘውፅኦ ፀብፃብ ሓቢሩ።
እቲ ንዝተፈላለዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምዝርራብ ዝተዳለወ ፀብፃብ እቲ ቅትለት ዳንዶራን ማታረን ኣብ ዝተባህለ ትሑት አታዊ ዘለዎም ዜጋታት ዝነብርሉ ናይ ናይሮቢ ከባቢታት ከምዝተፈፀም ይገልጽ።
ኣብ ሂማን ራይትስ ዎች መፅናዕቲ ዘካይዱ ኦሲኖ ናምዋያ እቲ ቕትለት ተመሳሳልነት ኣለዎ ኢሎም።እቶም ሰባት ይቕተሉ ወይ ካብ መንበሪ ገዛውቶም ወይ ካብ ጎደና ይዕፈኑ፡ ይእሰሩ ወይ ኣምበርኪኮም ኣብ ፅሓይ ብርሃን ሰባት እናርኣዩ ብፖሊስ ይቐተሉ ኢሎም።
እቲ ፀብፃብ ብተወሳኺ ተሓታትነት ፖሊስ ንምርግጋፅ ዝተጣየሸ ትካል /IPOA/ እውን ብዛዕባ እቲ ቕትለት ብዙሕ ኣይሰርሐን ዘሎ ይብል ።ኣደመንበር እቲ ትካል ኣን ማኮሪ ግን ትካለን ንልዕሊ 5,500 ጉዳያት ከምዝመርመረን ካልኦት ልዕሊ 1,900 ጉዳያት እውን ናብ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ከምዝልኣኸን ገሊፀን ኣለዋ።