ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምንስቲ ሓይልታት ጸጥታ ኢራን 106 ሰባት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ምቕታሎም ይኸስስ


ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ሓይልታት ጸጥታ ኢራን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ኣንጻር መንግስቲ’ታ ሃገር ኣብ ዝካየዱ ዘለዎ ተቓውሞታት 106 ሰባት ምቕታሎም ይኸስስ።

ናይ ትካል ተመራማሪ ኣብ ጉዳይ ኢራን ራሃ ባህረኒ ሎሚ ሶሉስ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መጠይቕ ኣምንስቲ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻክር፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተሓለቕቲ መሰላትን ካብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተዘርግሓ ምስልታት ብዝረኸቦ ሓበሬታ ሓይልታት ጸጥታ 106 ሰባት ኣብ እዋን’ቲ ተቓውሞ ምቕታሎም ኣረጋጊጹ’ሎ ትብል።

ድምጺ ኣሜሪካ ፐርሽያን ብቐዳም ጥራይ ካብ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተተኮሰ ጥይት ሸውዓተ ሰባት ምሟቶም አረጋጊጹ’ሎ።

መሓውራት ዜና’ታ ሃገር ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሓደ አባል ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ምሟቶም ጸብጺበን ኣለዋ። መንግስቲ ግን ካብ ሕጂ ቁጽሪ ዝሞቱ ብርግጽ ኣይሓበረን።

እዚ ተቓውሞ ዝጀመረ መንግስቲ ዋጋ ነዳዲ ብ50% ክውስኽ ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ።

ባህረኒ ኣምንስቲ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን መንግስቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ዝወስዶ ስጉምቲ ደው ከብልን መሰል ብናጽነት ሓስብካ ምግላጽን ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ከኽብር ጸቕጢ ክገብሩ ምጽውዑ ገሊጸን።

መንግስቲ ኢራን ካብ ታህሳስ 2017 ክሳብ ጥሪ 2018 ኣብታ ሃገር ንዝረአ ብልሽውናን ሰናይ ምሕደራን ብምቕዋም ዝተኻየደ ተቓውሞ ብጎነጽ ደው ምባሉን ኣብ እዋን’ቲ ተቓውሞ 22 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG