ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጻት ከም ዝተፈጸመ ጸብጺቡ


ሓንቲ ካብተን ግዳያት ዓመጽ
ሓንቲ ካብተን ግዳያት ዓመጽ

ኣህጉራዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዝዝርግሖ 37 ገጻት ዝሓዘ ጽሑፍ፡ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ደቀንስትዮ ብሓይልታት ፈደራል፡ ሚሊሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ምግሳስ፡ ጉጅለኣዊ ዓመጽን ሞራል ንምትንካፍ ዝዓለመ ደይ-መዳያዊ ግህሰትን ከም ዝወረደን ጸብጺቡ።

ዋና ጸሓፊት ትካል ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣግነስት ካላማርድ እቲ ዝወረደ በደላት ምስ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከምኡ’ውን ገበናት ኲናት ክጽብጸብ ከም ዝከኣል ይሕብራ።ንሰን ወሲኸን፡ ሰብ-መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናጻ ምጽራይ ንምኽኣል ከፍቅድ ጸዊዐን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መግለጺ ኣመልኪቱ ብጽሑፍ ተቓውሞኡ ክገልጽ እንከሎ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ’ውን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር መልእኽቲ፡ ነቲ ጸብጻብ ነጺጉዎ ኣሎ።

ትካል ኣምነስት ኢንተርናሽናል፡ ን63 ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝወረደን ደቀንስትዮን ምስ ጾታዊ ግህሰት ኣመልኪቶም ዝሰርሑ ሰብ-ሞያ ጥዕናን ኣዘራሪቡ፡ ጽሑፍ ዘርጊሑ ኣሎ። ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ግዳያት ዓመጽ፡ 28 ብወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝተደፍራ እቲ ጸብጻብ የምልክት።

ንሰብ-መዚ ጥዕና ክልል ትግራይ ብምውካስ፡ ጽሑፍ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ከም ዝጠቕሶ፡ ማእከላት ጥዕናክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ወርሒ ለካቲትን ሚያዝያን 1,288 ጾታዊ መጥቃዕታት መዝጊበን።

ኣብ ትካል ኣምነስት ኢንተርናሽናል ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ኣብ ጉዳያት ህጹጽ ሓደጋ ዶናተላ ሮቬራ፡ ነቲ ጽሑፍ ዘሰናዳኣ’የን። ንሰን ብድምጺ ኣመሪካ ንዝቐረበለን ሕቶ ብኸምዚ ይምልሳ፤

“ንጾታዊ ዓመጻት ኣመልኪተ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንልዕሊ 20 ዓመታት ሰሪሐ። ከምዚ ሕጂ ዝረኣኹዎ ዝኸፍእ ግን ኣብ ቅድሚ ሎሚ ኣይተጓነፈንን። እቲ ጾታዊ ዓመጽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሞራል ንምድሃኽ’ውን ካልእ ብዙሕ ኣገባባት ይዝውተር ነይሩ’ዩ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ልዕሊ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ቆልዑን ኣንስቲን ዝወረደ ዓመጻት ደይ-መደይ ኢልካ ዝኸፍአ ኣካላዊን ስነ-ኣእሙራዊን በሰላ ንምግዳፍ’ዩ ተዓሊሙ። ተደራራቢ፡ ብጉጅለ ዝግበር ዓመጻት፡ ንኣደታትን ቈልዑን ኣብ ቅድሚ ወለደንን ስድራቤተን ዝግበር ጾታዊ መድፈርቲ፡ ከምኡ’ውን ንመዓልታት ብዘይ መብረ ዝግበር ግህሰት፡ ማዕረ ናብ ጾታዊ ጊልያነት ዝኸይድ’ዩ::”

ኣብ ትካል ኣምነስት ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ዝገብርን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈን ፍስሃ ተኽለ፡ ንረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ከም ዝገለጾ፡ ገለ ካብተን ግዳያት ን24 ሰዓትን ምናልባት’ውን ሰሙን ዝኸይድ ኣብ ገዛ ተዓጽየን ይዕመጻ ምንባረን ይገልጽ።

ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነፍሰ-ጾር ዝነበረት ጓል 20-ዓመት ዜጋ፡ ኣብ ሕዳር 2020 ብቛንቋ ኣምሓርኛ ብብዛረቡ ወተሃደራት ከም ዝተዓመጸት ንኣምነስት ኣካፊላ። “ጥንስቲ ምንባረይ ጥራይ ዘይኰኑስ ሰብ ምዃነይ’ውን ዝረስዑ ይመስሉ፡” ትብል እታ ግዳይ’ቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝዀነት ሰብ።

ካብ ትካል ኣምነስት ኢንተርናሽናል ጨንፈር ኣመሪካ ዝዀነ ኣዶተይ ኣክዊ፡ እቲ ጸብጻብ ቍንጣሮ ናይቲ ዝተፈመ ግፍዕታት ጥራይ ዘመልክት ምዃኑ’ዩ ንድምጺ ኣመሪካ ዝነግር።

“እተን ዝተዓመጻ ደቀንስትዮ ካብ ደቂ 10 ዓመት ቈልዑ ክሳብ ደቂ 62 ዓመታ ዝዕድመአን ኣረጋውያን’የን። ኣብ ግዜ ዓመጽ በቶም ወተሃደራት ዝጥቀስ ዝነበረ ዓሌታዊ ጸርፊን ክሳብ ንነፍሰ-ጾራት’ውን ዘይመሓረ መጥቃዕታትን ደይ-መደይ ኢልካ ዝተፈጸመ ምዃኑ የረድእ።”

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጽሑፍ ኣመልኪቱ ብ11 ነሓሰ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ። ንዝዀነ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘይጸውርን ኣንጻሩ ከም ዝቐውምን ዘመልከተ መግለጺ፡ ኣብቲ እዋን ኲናት ከምኡ ዝመስል ገለ ተርእዮታት ከም ዝነበረን እቶም ፈጸምቱ ድማ ዝግበኦም ፍርዳዊ ብይን ክወሃቦም ምዃኖምን ኣመልኪቱ። ነቲ ጸብጻብ ግን “ብርሑቕን ኣብ ውሑዳን ሰባት ተመርኲስካ ዝግበር ኣመና ብዙሕ ሃጓፋት ዘለዎ” ክብል ገሊጹዎ። ኣካል’ቲ ንመንግስቲ ንምጽላም ዝዓለመ ውሁድ ዘመተ ምዃኑ ዘመልክት መግለጺ ፈደራልዊ መንግስቲ፡ ኣብ 63 ሰባት ተመርኲስካ ከምኡ ዝመስል ዓማሚ ስእሊ ምሃብ ከም ዘይክኣል ጥቒሱ።

ኣካል’ቲ መጽናዕቲ ዝነበረ ካብ ኣምነስት ኢንተርናሽናል፡ ፍስሃ ተኽለ ግን ብጽምጺ ኣመሪካ፡ ፈነወ ቋንቋ ኣምሓርኛ፡ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ መጽናዕቲ ብርሑቕ ከካይዱዎ ዝገደዶም ምኽንያት ሓቢሩ ኣሎ።

“እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዝና ናብ ኢትዮጵያ መገዲ ክኽፈተልና ደጋጊምና ክንሓትት ጸኒሕና። ፍቓድ ተነፊጉና ጥራይ ዘይኰነስ መልሲ’ውን ኣይተዋህበናን። ምእታው ከልኪሉና ከብቅዕ ነቲ ጸብጻብ ሻራዊ’ዩ ምባሉ ግን ቅኑዕ ኣይኰነን። ምናልባት ብኣካል ኣቲና ክንምርምር ዕድል ረኺብና እንተ ነነብር ግን ን63 ብርሑቕ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ዝባዝሓ ከነዛራርብ ምኸእልና። ሕጂ ግን ፍቓድ ስለ ዝተኸልከልና ጥራይ ኢና ከምኡ ክንገብር ክኢልና።”

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቶም ተቓውሞኦም ብትዊተር ገሊጾም ነይሮም። ክሳብ “መንግስቲ ናይ ምቕያር” ዝኸይድ ኣንጻር ኤርትራ ዝዓለመ ተጻባኢ መርገጺ ዘለዎ ትካል ኢሎም ዝጸውዑዎ ኣምነስት ኢንተርናሽናል፡ እዚ “ዳሕራይ ዝቐረበ ጸብጻብ’ውን መቐጸልታ ዝቐደሙ ዝንቡዓት ጸብጻባት’ዮም” ይብሉ ኣቶ የማነ ብትዊተር ኣብ ዝፈነዉዎ መልእኽቲ። እቶም ሚኒስተር ዜና ኣስዒቦም፡ “ጸብጻብ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ሞያውነት ዝጐደሎ ምዃኑ ኣዝዩ ብሩህ’ዩ። ኣምነስት ነቲ ዝተባህለ ክሲ ብሳልሳይ ኣካል ከረጋግጽ ኰነ ሓቅነቱ ክመሚ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይነበረን” ኢሎም።

ንመርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ርእይቶአን ዝሃባ ጸሓፊት ክፍሊ ፕረስ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ጀን ሳኪ’ውን ብድምጺ ኣመሪካ ተሓቲተን ነይረን። እተን ወሃቢት ቃል፤“ምስተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራትን መራሕቲን ብቐረባ ኢና ንሰርሕ። በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ግህሰት ከኣ ኣዚና ግሁያት ኢና፡”ኢለን።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኵላቶም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ኣካላት ተዅሲ ደው ከብሉን ነቶም ሚልዮናት ዝኣኽሉ ተጸበይቲ ረዲኤት ኢትዮጵያውያን ዘይተገደበ ሓገዝ ክባጻሕ ከፍቅዱን ደጋጊሙ ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንዅሉ ዝኸኣለ ሲቪላውያን ዜጋታት ኣንጻር’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክዓጥቁ ይጽውዑ ምህላዎም ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG