ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኤርትራ ንሚንስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ይፍታሓዮ ዝብል መልእኽቲ ዘርጊሑ


ሚንስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ
ሚንስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኤርትራ ሚንስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ዘለዎ ቦታ የፍልጥ፡ ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኩነትን ድማ ይፈታሓዮ ዝብል መልእኽቲ ዘርጊሑ`ሎ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ቅድሚ ትማሊ ሶኑይ ካብ ጽርግያ ኣስመራ ብኣርባዕተ ሰባት ተጨውዩ ዛጊት ደሃይ ከምዘይብሉ ወዲ ሓፍቱ ኣቶ ሰሎሞን ሃብቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ`ሎ።ካብ ወገን መንግስቲ ግን ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

ብኻልእ ወገን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ዘለዎ ቦታ የፍልጥ ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኩነትን ድማ ይፈታሓዮ ዝብል መልእኽቲ ዘርጊሑ`ሎ።

ንሱን በዓልቲ ቤቱን ክፍትሑ ንጽውዕ ክብል ንድምጺ ኣሜሪካ ቃለ-መጠይቕ ዝሃበ ኣብ ኣምነስቲ ተመራማሪ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኣቶ ፍስሃ ተክለ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣይ-ሰላም ኣይ-ኩናት ሃዋህው ምስ ተኣልየ`ውን ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ክመሓየሽ ኣይንርእን ዘለና ኢሉ።

“ብርሃነ ኣብርሀ ሓሳቡ ብምግላጹ ምእሳሩ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተመሓየሸ`ዩ ዘርኢ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ኩነተ-ውግእ ወጺኤን ውዕል ሰላም ኣብ ዝተፈራረማሉ እዋን`ውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ኣካይድኡ ኣይተለወጠን። ብ G-15 ዝፍለጡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ኩሎም እሱራት ክፍትሑ፡ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣዋጅ ከብቅዕ፡ ከምኡ`ውን መስቀይቲ ከብቅዕ ንጽበ ኔርና። ግን እቲ ኣብ`ቲ ከባቢ ዘሎ ናይ ተስፋ መንፈስ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ጭቡጥ ስጉምቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ክትርጎም ኣይረኣናን።”

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ`ቲ መግለጺኡ፡ ማእሰርቲ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ምስ ንስርዓት-ፖለቲካ ኤርትራ ዝነቕፋ ክልተ ተኸታተልቲ መጽሓፉ ምውጻእ ብምትሕሓዝ፡ በዓልቲ ቤቱ ኣልማዝ ሃብተማርያም`ውን ዝሓለፈ ዓመት ከምዝተኣሰረት ሓቢሩ` መንግስቲ ንክልቲኦም ብዝቐልጠፈ ይፍትሓዮም ክብል ይጽውዕ።

ብዛዕባ`ዚ ወረ ማእሰርትን፡ ሕትመት መጽሓፍትን፡ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ርእይቶ ክንረክብ ኣይክኣልናን።ኣብ ዝረኸብናሉ ክነቕርብ ኢና።ከምኡ`ውን ኣብ ትሕዝቶን ሕቶ ርጡብነትን`ታ መጽሓፍ ዝተፈለየ ርእይቶ ኣብ ቀጻሊ ክነቕርብ ምዃና ንሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG