ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኤርትራ ሚንስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ዘለዎ ቦታ የፍልጥ፡ ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኩነትን ድማ ይፈታሓዮ ዝብል መልእኽቲ ዘርጊሑ`ሎ።
ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ቅድሚ ትማሊ ሶኑይ ካብ ጽርግያ ኣስመራ ብኣርባዕተ ሰባት ተጨውዩ ዛጊት ደሃይ ከምዘይብሉ ወዲ ሓፍቱ ኣቶ ሰሎሞን ሃብቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ`ሎ።ካብ ወገን መንግስቲ ግን ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።
ብኻልእ ወገን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ዘለዎ ቦታ የፍልጥ ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኩነትን ድማ ይፈታሓዮ ዝብል መልእኽቲ ዘርጊሑ`ሎ።
ንሱን በዓልቲ ቤቱን ክፍትሑ ንጽውዕ ክብል ንድምጺ ኣሜሪካ ቃለ-መጠይቕ ዝሃበ ኣብ ኣምነስቲ ተመራማሪ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኣቶ ፍስሃ ተክለ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣይ-ሰላም ኣይ-ኩናት ሃዋህው ምስ ተኣልየ`ውን ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ክመሓየሽ ኣይንርእን ዘለና ኢሉ።
“ብርሃነ ኣብርሀ ሓሳቡ ብምግላጹ ምእሳሩ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተመሓየሸ`ዩ ዘርኢ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ኩነተ-ውግእ ወጺኤን ውዕል ሰላም ኣብ ዝተፈራረማሉ እዋን`ውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ኣካይድኡ ኣይተለወጠን። ብ G-15 ዝፍለጡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ኩሎም እሱራት ክፍትሑ፡ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣዋጅ ከብቅዕ፡ ከምኡ`ውን መስቀይቲ ከብቅዕ ንጽበ ኔርና። ግን እቲ ኣብ`ቲ ከባቢ ዘሎ ናይ ተስፋ መንፈስ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ጭቡጥ ስጉምቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ክትርጎም ኣይረኣናን።”
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ`ቲ መግለጺኡ፡ ማእሰርቲ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ምስ ንስርዓት-ፖለቲካ ኤርትራ ዝነቕፋ ክልተ ተኸታተልቲ መጽሓፉ ምውጻእ ብምትሕሓዝ፡ በዓልቲ ቤቱ ኣልማዝ ሃብተማርያም`ውን ዝሓለፈ ዓመት ከምዝተኣሰረት ሓቢሩ` መንግስቲ ንክልቲኦም ብዝቐልጠፈ ይፍትሓዮም ክብል ይጽውዕ።
ብዛዕባ`ዚ ወረ ማእሰርትን፡ ሕትመት መጽሓፍትን፡ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ርእይቶ ክንረክብ ኣይክኣልናን።ኣብ ዝረኸብናሉ ክነቕርብ ኢና።ከምኡ`ውን ኣብ ትሕዝቶን ሕቶ ርጡብነትን`ታ መጽሓፍ ዝተፈለየ ርእይቶ ኣብ ቀጻሊ ክነቕርብ ምዃና ንሕብር።
ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።