ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባ. ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ጠሚቱ ምስ ምሁራት መቐለ ዩኒቨርሲቲ ምዝታዮም ተገሊጹ


ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ራይነር ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ኣካይዶም ነይሮም:: እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ምሁራን ኣብ ጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራ ዘተ ኣካይዶም::

ኣብቲ ዘተ ዝተልዓሉ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዳይሬክተር ዓለምለኽ ጉዳያት ኣይተ ጎይትኦም ተገኝ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ 'እቶም ኣምባሳደር "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ንምንታይ በቲ ዝድለ መንገዲ ዘይከደ? ተኸፊቶም ዝነበሩ መስመራት ዶብ’ከ ንምንታይ ከምዝተዓጸዉ?" ካብ ምሁራት ሪኢቶ ንምርካብ ሓቲቶም'። ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣካላት ድማ መብርሂ ሂቦምሉ ክብሉ ተዛሪቦም::

ኣይተ ጎይትኦም ተገኝ 'እቶም ሙሁራት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረ ርክብ ኣብ ምትግባር ፀገም ከምዘሎን፣ ኣብ ዶብ ንዝርከብ ህዝቢ ብዘካተተ መንገዲ ስለዘይተኸደ እዩ' ከምዝበሉዎም ገሊጾም::

ንሶም ወሲኾም መንግስቲ ኣሜሪካ ንዩኒቨርስቲ መቐለ ብዛዕባ ይገብሮ ዘሎ ሓገዝ ዘተ ከምዝተገበረ ሓቢሮም:: ኣምባሳደር ራይነር ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልም ከምዝዘተዩ እውን ተሓቢሩ ኣሎ:: ኣብቲ ዘተ ኣብ ንግድን ወፍሪን ዝፍፀም ምትሕብባርን ኣብ ፖለቲካዊ: ማሕበራዊን ቑጠባዊን መዳያት ዝካየዱ ሓበራዊ ስራሕ ምዝታዮም ተገሊፁ ኣሎ።


XS
SM
MD
LG