ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባደሰር ያማማቶ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ይፍጽሙ'ለው


ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓጋዚ ሚንስትር ጉዳያት ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማሞቶ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ተዘራሪቦም።ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክካየድ ዝኽእል ልዝብ ሰላም ካብ ዝዘራረቡሎም ጉዳያት ሓደ ክኸውን ከምዝኽእል ቅድም ክብል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓጋዚ ሚንስትር ጉዳያት ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማሞቶ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ እዮም።

ንሶም ፈለማ ዝተራኸቡ ምስ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ምዃኑን እቲ ልዝብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከምዝሸፈነን ሓቢሮም።ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ከይኮነስ ብሓፈሻ ንኣፍሪቃ ቀንዲ መሻርኽቲ ምስ ምዃና ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ፣ንግዲ፣ኢንቨስትመንትን ዝኣመሰሉን ጉዳያት ካብ መንጎ ዝተዘራረቡሎም ምዃኖም ሓቢሮም። ጉዳያት ሶማሊያን ሱዳንን ከምኡ እውን ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዘለው ፈተናታትን ከምዝተልዓሉን እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ኣብዚ ከባቢ ንዘለዋ ሃገራት ጥራሕ ከይኮነስ ንኣሜሪካ እውን ኣገዳሲ እዩ ኢሎም ።

ኣብ ጁብትን ኤርትራን ዑደት ዘካየዱ ኣምባሳደር ያማሞቶ ኣብ ናይ ኣስመራ ፃንሒቶም ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቦም እንተኾይኖምን ምስ ኢትዮጵያ ንንምልዛብ ድልዊ ድዮም ዝብል ንቶም ኣምባሳደር ሕቶ ቀሪቡሎም ነይሩ።

“እዞም ልዝባት እዚኦም ብቐዳምነት ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ክንዘራረበሎም ንደልዮም እዮም።ድሕሪኡ ናብ ዋሽንግተን ክንምለስ ከለና ኣብቲ ጉዳይ ዝበለፀ ሪኢቶ ክህልወና እዩ።”

ስለዚ ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልእ መስርሕ ሰላምን ልዝብን ንምጅማር ትሰርሕ ዘላ ንምዃና እቶም ኣምባሳደር ንፁር መረጋገፂ ኣይሃቡን።ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዝተዘራረብሉ እዋን እቲ ጉዳይ ከምዝተልዓለ ግን ሓቢሮም ኣለው።

ኣምባሳደር ያማሞቶ ምስ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ብዛዕባ ዘካየድዎ ዝርርብ ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ኣቶ መለስ ኣለም እውን ዝርዝር መብርሂ ኣይሃቡን ዘለው።

“ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝተልዓለ ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ዶብ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ክቡር ቀዳማይ ሚንስትር ንዘቕረብዎ ፃውዒት ከምዘድንቑ ገሊፆም ኣለው።”

ኣማባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፁ ናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ጉዳያት ዓመታዊ ፀብፃብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዕላዊ ኣብዝገበርሉ ሰሙን እዩ።

ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ዝርርብ ብዛዕባ እዚ ተላዕሊሉ እንተኾይኑ ግን ኣይተገለፀን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣምባደሰር ያማማቶ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ይፍጽሙ'ለው
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:58 0:00

XS
SM
MD
LG