ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳዳራት ሽዱሽተ ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ስራሕ ምብጻሕ አካይዶም


ኣምባሳደራት 6 ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ስራሓት ልምዓትን ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ዑደት አካይዶም።

እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ትግራይ ጠሚቱ እውን ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዘተ ኣካይዶም እዮም:: ኣምባሳደራት ሽዱሽተ ሃገራት (ቱርኪ፣ ካዛኪስታን፣ ስሪላንካ፣ ኢንዶኖዢያ፣ ፓኪስታንን ባንግላዲሽን) ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት ልምዓት ንምክያድ ዝሓለፈ ዓርቢ ረፋድ ናብ መቐለ ዝኣተዉ ኮይኖም ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ: መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ኣካላትን ኣቀባብላ ተገይርሎም::

እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ: ትካላት ትእምት: ብናይ ወፃኢ ሃገራት ኢንቨስተራት ኣብ ዝተሃነፃ ዓበይቲ ፋብሪካታትን ብተወሳኺ ድማ ኣብ ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ ዑደት ገይሮም እዮም::

እቶም ኣምባሳደራት ምስ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል እውን ዘተ ኣካይዶም እዮም። ኣምባሳደር ባንግላድሽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሙኒር ብዘካየድዎ ዑደት ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ ክልል ትግራይ ወናኒት ብዙሓት ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ምኳና ከምዝተረድኡ ድማ ሓቢሮም::

"ኣብዚ ዓብዪ ዓቕሚ ኣሎ: ሰፊሕ ዕድል’ውን ኣሎ:: ብዓቕሚ መሪሕነት ድማ ሰላምን ምርግጋእን እውን ኣብዚ ኣሎ:: መላእ ኢትዮጵያ ይኹን ክልል ትግራይ ከምትምዕብሉን ትልወጡን ድማ ይኣምን:: ኣብ ጉዕዞ ዕብየትኩም ድማ ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ክንፍፅም ኢና::"

ኣምባሳደር ኣል ቡስራ ባስኑርን ብወገኖም ሓሙሽተ ናይ ሃገሮም ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተዋፈሩ ገሊፆም ብቐፃሊ ድማ ሰብሃብቲ ሃገሮም ናብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ሃብቶም ንከውፍሩ ክሰርሕ እየ ኢሎም::

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረፅዮን ብወገኖም ክልል ትግራይ ካብ መካ ቐፂሉ ብኣመንቲ እስልምና ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦ ታሪኻዊን ጥንታውን መስጊድ ነጋሽ ሓዊሱ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ዓብዪቲ ቦታታት ዘለዋ እያ ኢሎም:: ዝተፈላለዩ ዘደንቑ ጥንታውያን ኣብያተ ክርስትያን፣ እውን ዘለዋ ክልል እያ ኢሎም::

እቶም ሽዱሽተ ኣምባሳደራት ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ምቹእ ኩነታት ንሰብሃፍቲ ዓዶም ከላልዩ ዝሓተትዎም ዶክተር ደብረፅዮን ድልየትና ሓቢርና ምዕባይ እዩ ኢሎም:: ኣብቲ መድረኽ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ቀሪብሎም እዩ:: ክልል ትግራይ ንወደብ ቀረባ ምዃና ንኢንቨስትመንት ተመራፂት ከምዝገብራንመዓድናት ወርቂ ሳፋየር ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ብዙሓት መዓድናት ከምዘለዉ ተገሊፁ እዩ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG