ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝተመዘዙ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ወረቐት ስርሖም ኣረኪቦም


ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ሎሚ ሓሙስ ናይ ስራሕ ወረቓቕቶም ንሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣረኪቦም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ርኽብ ናብ ቀረባ ጊዜ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተኻየደ ዕርቀ ሰላም ብዝምልከት ከምዝዝተዩ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምግላጹ ፋና ብሮድካስቲንግ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ።

ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ንግዲን ህዝብታት ንምሕያል ከምዘልድይ ኣስሚሩ’ሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል ዝካየዱ ጻዕርታት ውጽኢት ይርከቦም ምህላዎምን ኢትዮጵያ ድማ እቲ እገዳ ምሉእ ንምሉእ ክሳብ ዝለዓል ጻዕርታታ ከምትቕጽል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምግላጾም ፋና ሓቢሩ’ሎ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ብወገኑ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ንምሕያል ከምዝሰርሑ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG