ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ወረቓቕቶም ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ ኣቕሪቦም


ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኖም ዝተመዘዙ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ናይ ስራሕ ወረቃቕቶም ንፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሎሚ ኣቕሪቦም።ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈላም ግዜ እያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትምዝዝ ዘላ፡እቲ ሽመት ወግዓዊ ዝኸውን ዘሎ መስመር ኣስመራ ዛላምበሳ ምዕጻው ኣብ ዝገለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመሪያ ግዜ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝተሸሙ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ሎሚ ሓሙስ ንናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሽመቶም ካብ ዘቕረቡ ሓሙሽተ ኣማባሳደራት ሓደ እዮም።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ዝነበረ ሓርፋፍ ርክብ ብፅኑዕ ምሕዝነት ይትካእ ኣሎ ኢሎም።

“እዚ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምሕያል ናይ መጀመርያ ኣምባሳደር ኣቶ ሰመረ ርእሶም ሎሚ ናይ ሽመት ደብዳብኦም ኣቕሪቦም ኣለው።ክቡር ኣምባሳደር ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዱሽ ናይ ምክብባር፣ናይ ምትሕቑቛፍን ብሓባር ናይ ምስራሕን ምዕራፍ ግሁድ ኮይኑ’ሎ ክብሉ ተዛሪቦም ኣለው።”

ኣቶ መለስ ካብ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ብተወሳኺ ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ርክብ ናይ ዘለወን ናይ ሶማል፣ግብፅን ቱኒዚያን ከምኡ እውን ናይ ታይላንድን ኣምባሳደራት ናይ ስራሕ ወረቓቅቶም ኣቕሪቦም ኣለው ኢሎም።

ሚንስተር ትምህርቲ ኤርትራ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅንህ ገበየሁ ተራኺቦም፡ምዝርራቦም ይዝከር።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ተኸፊቱ ዝፀንሐ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብወገን ኣስመራ ዛላምበሳን ራማ ክሳድ ዒቓን ምዕፃው ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ወረዳ ጉሎ መኸዳ ኣቶ ግርማ ሓዱሽ ትማሊ ድሕሪ ምግላፆም እዩ።ኣቶ ሓዱሽ ’”ናብ ኤርትራን ናብ ኢትዮጵያን ዝኣትዋ መኻይን ብኤርትራ ይኽልከላ ኣለዋ…..ንሳቶም ብዘይሕለፍ ወይ ብፍቓድ ክሓልፋ እየን ይብሉ ኣለው፤ግን ኣቐዲሙ ዝትውሃበ ሓበሬታ ወይ ምድላው የለን’’ ክብሉ ትማሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝተውሃበ መግለፂ የለን።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓበሬታ የብለይን፤ምስረኸብኩ ክምልሰኩም እየ ምባሎም ይገልፅ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG