ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ዓሪፉ


ፍሉጥ መራሒ ተቓወምቲ ኤርትራ ዝነበረ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ኣብ መበል 75 ዕድሚኡ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ኣብ ኒው ዮርክ ዓሪፉ።

ካብ 1972 ጀሚሩ ኣብ ገድሊ ናጽነት ኤርትራ ክሳብ ኣዛዚ ሰራዊትን ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነትን ዘገልገለ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ድሕሪ ናጻነት ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንድናቭያን ድሓር ድማ ኣብ ናይጀርያ ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ሰሪሑ`ዩ።

መሳርሕቱ ኣብ 2001 ካብቶም ብ ጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ፓርትን ዝርከብዎም ንምምሕዳር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተቓወሙን ሕገ-መንግስቲ`ታ ሃገር ኣብ ስራሕ ክውዕል ዝጸውዑን ሓደ`ዩ ኔሩ ይብሉ ።

ድሕሪኡ ክሳብ ዕለተ-ሞቱ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ነቲ ሽዕኡ ዘልዓልዎ ሕቶ ደሞክራሲ ክቕጽሎ ምጽንሑ ብጾቱ ይገልጹ።

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑትን `ዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ዝመጽእ ቀዳም 27 ለካቲት 2021 ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ከምዝፍጸም ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ።

.

Recommended

XS
SM
MD
LG