ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጽባሕ ንዝኽበር ሓድሽ ዓመት ብዝምልከት ናይ ሰናይ ትምኒት መልእኽቶም ገሊጾም


ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ረይነር
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ረይነር

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ረይነር ጽባሕ ንዝኽበር ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ናይ ሰናይ ትምኒቶም መልእኽቶም ገሊፆም።ሓድሽ ዓመት ዓብይ ተስፋ ሒዙ እንተመፀ እውን ነባሪ ክኸውን ናይ ሓባር ፃዕሪ የድልይ ኢሎም።

እቶም ኣምባሳደር ከምዚ ክብሉ መልእኽቶም ጀሚሮም።

“ሰላም።ኣምባሳደር ማይክል እብሃል።ርሑስ ሓድሽ ዓመት ክኾነልኩም እምነ።ሓድሽ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ንባዕልትና፣ንስድራና ከምኡ እውን ንመሓዙትና ብሩህ ተስፋ ዘስንቕ እዩ።እዚ ተስፋ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነብሩ ዝበለፀ ፅኑዕ እዩ።ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሃገሮም ይርአ ብዘሎ ሰላማዊ፣ኣሳታፊን ንፁር ራእይን፣ ብልፅግቲ ኢትዮጵያ ክትኾነሎም ሕጉሳት ምዃኖም ሰሚዐ ኣለኹ።”

ኣምባሳደር ማይክል ብምቕጻል ሓድሽ ዓመት ዓብይ ተስፋን ዕድል ሒዙ እንተመፀ እውን ቀፃሊ ክኸውን እንተኾይኑ ግን ዋላ ሓደ መረጋግፂ ውሕስነት ኣይህብን ኢሎም።

ዝሓሸ ፅባሕ ንምምፃእ ልዕሊ ተስፋ ዝኾነ ስራሕ ይሓትት እዩ፤መፃኢ ዓመት ንኢትዮጵያ ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝሓሸ ክኸውን እንተድኣ ኮይኑ ኩላትና ብፂሕትና ክነወፊ ይግባእ ኢሎም።

ግልፂ፣ሃናፂ ሓሓሊፉ ድማ ኣፀገምቲ ልዝባት ዝሓትት እዩ፤ሰባት ተመሳሳሊ ሸቶ እንተለዎም እውን ናብ ዓወት ዘብፅሖም ነናይ ባዕሎም ዝተፈለየ ሓሳብ ክህልዎም ምቕባል ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ብሓባር እንተሰሪሕና ካብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ዓመት ብርግፀኝነት ዝሓሸ ክኸውን እዩ ኢሎም።

እቲ ኤምባሲ ንናይ ኢትዮጵያ ቀፃሊ ዓወትን ንዝበለፀ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራትን ተራኡ ክፃወት ዓብዩ ድልየትን ድልውነትን ኣለዎ ክብሉ ብምግላፅ ሓድሽ ዓመት ናይ ሰላም፣ናይ ብልፅግናን ደስታን ክኾነልኩም ልባዊ ትምኒተይ እገልፅ ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG