ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ቃለ ምስክርነቶም ንቤት ምኽሪ ሂቦም


ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ጎርደን ሶንድላንድ ኣሜሪካ ንዩክሬይን ሓገዝ ንክትህብ ውልቃዊ ፖለቲካዊ ረብሓ ፕረ.ትራምፕ ከም ቅድመ ኩነት ቀሪቡ ክብሉ ንፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ስልጣን ንምውራድ ይካየድ ኣብዘሎ መስርሕ ምስማዕ መሰኻኽር ትማሊ ረቡዕ ተዛሪቦም።ናይቶም ኣምባሳደር ቃል ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ይካየድ ዘሎ መስርሕ ምርመራ ኣገዳሲ መቐይሮ ነጥቢ ክኸውን ይኽእል’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ጎርደን ሶንድላንድ ብወግዒ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-ምስክርነት ወታሃደራዊ ረድኤትን ብፖለቲካ ንፕረዚደንት ትራምፕ ዘርብሕ ምርመራ ስድራ ጆ ባይደንን ብምትእስሳር ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ከቢድ ክስታት ኣቕሪቦም ኣለው።

“ኣባላት ናይዚ ኮሚቴ ነዚ ዝተሓላልኸ ጉዳይ ከም ቀሊል ሕቶ ‘ጥቐመኒ ክጠቕመካ’ ጌርኹም ብተደጋጋሚ ተልዕልዎ ከምዘለኹም እርዳእ እየ።ከምቲ ኣቐዲመ ዝሃብኩዎ ቃል ዋይት ሃውስ ብስልክን ብኣካልን ዘቕረቦ ጠለብ ዝምልከት እንተኾይኑ እቲ መልሲ እወ! ዝብል እዩ።”

ጎርደን ብምቕፃል ኣምባሳደር ኩርት ቮልከርን ሚንስትር ጸዓት ሪክ ፐሪን ብትእዛዝ ናይ ፕረ. ትራምፕ ውልቃዊ ጠበቓ ሩዲ ጁሊያኒ ይሰርሑ ነይሮም ኢሎም።

“ምስ ሚስተር ጁሊያኒ ብሓባር ኣይንሰርሕን እንተድኣ ኢልና ኣገዳሲ ዝኾነ ርክብ ኣሜርካን ዩክሬይንን ከምዝልሕልሕ ኩላትና ንርዳእ ነይርና ኢና።ስለዝኾነ ንትእዛዝ ናይቶም ፕረዚደንት ሰሚዕና ኢና።”

ዴሞክራሲያዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ቃል ምስክርነት ጎርደን ፕረዚደት ትራምፕ ስልጣኖም ብዘይኣግባብ ከምዝተጠቐምሉ ብግልፂ ኣርእዩ’ሎ ኢሎም ኣለው።

ፕረ. ትራምፕ ግን ቅድም ክብል ምስ ጎርደን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ባዕሎም ናይ ስልኪ ዝርርብ ዝተጠቐምሉ ኣበሃህላ ብምጥቓስ ብርእሶም ተኸላኺሎም ኣለው።

ሎሚ ሓሙስ እውን ክልተ ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ ዝነበሩ ኣብቲ ምስማዕ ቃል ምስክርነት ቃሎም ይህቡ ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG