ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ተቐቲሉ


ኣምባሳደር ሉካ ኣታናስዮ ዝጉዓዘላ ዝነበረ መኪና
ኣምባሳደር ሉካ ኣታናስዮ ዝጉዓዘላ ዝነበረ መኪና

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ጉዕዞ ኸሎ ብድብያ ተቐቲሉ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣምባሳደር ሉካ ኣታናስዮ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ሎሚ ሰኑይ ምስ ቃፍላይ ሕቡራት ሃገራት እናተጎዓዘ ከሎ ብናይ ድብያ ተኹሲ ምቕታሉ ኣፍሊጡ'ሎ።

ንዕኡ ዝዕጅብ ዝነበረ ኢጣልያዊ ፖሊስ`ውን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተለ ተሓቢሩ`ሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣካል ናይ ጭውያ ከምዝኾነ`ውን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG