ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር አርአያ ደስታ ዓሪፎም


ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ መበል 75 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝዘርግሑዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጦም።

መልእኽቲ ኣቶ የማነ ኣምባሳደር ኣርአያ ደስታ ኣብ 1981 ናብ ህዝባዊ ግንባር ብምፅንባር ንዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመታት ንህዝቦምን ሃገሮም ብዝለዓለ ተወፋይነት ኣገልጊሎም ይብል ።

ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ኣምባሳደር ስዊድን፣ ቻይና፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብምዃኑ ምግልጋሎም መልእኽቲ ኣቶ የማነ ይገልፅ።ስነስርዓት ቀብሪ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መቓብር ሓርበኛታት ዝቕፅል ሰንበት ከምዝፍፀም እውን ኣቶ የማነ ገሊፆም ኣለው።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG