ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኣሜሪካ ካብ መዝነቶም ለቂቖም


ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኣሜሪካ ኪም ዳረክ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣሜርካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሃብዎ ርእይቶ ዝሓዘ ምስጥራዊ ናይ ዲፕሎማሲ መልእኽቲ ዝሓለፈ ሰንበት ንማዕኸናት ዜና ሰሊኹ ምስ ወፀ ፡ እቶም ኣምባሳደር ትማሊ ረቡዕ መዝነቶም ለቒቆም ኣለው።ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ስዒቡ ኣብ ቀረባ ስልጣነን ንዘረክባ ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣንያ ቴሪሳ ሜይ እቲ ጉዳይ ከምዘሕረቆም ኣብ ዝፅሓፉዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊፆም ኣለው።

ካብ 2016 ጀሚሩ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኣሜሪካ ብምዃን ከግልግሉ ዝፀንሑ ምኩር ዲፕሎማት ኪም ዳረክ ትማሊ ረቡዕ ናይ ኣሜሪካ ስርሖም ኣብቂዑ’ሎ።ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብጋዜጣ ‘ዘ ደይሊ ሜል’ (The Daily Mail) ልሒኹ ኣብ ዝወፀ ዲፕሎማሲያዊ መልእኽቲ ዳረክ ንፕረዚደንት ትራምፕ ‘ድሕነት ዘይስምዖም’ን ‘ዘይብቑዕ’ን ኢሎምዎም ኣለው።

ፕረ. ትራምፕ ብሶኑይ ብትዊተር ኣቢሎም ንዳረክን ካብ ስልጣነን ክወርዳ ዝቀራረባ ዘለዋ ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣንያ ተሪሳ ሜይን ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ንኣተሓሕዛ ብረግዚት ወይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወፅእ ዝብል ጉዳይ ንዝሓዛሉ ኣገባብ ብትሪ ነቒፎምዎም።

ሜይ ብወገነን ንኣምባሳደር ዳረክ ኣብ ፓርላማ ከምዚ ክብላ ንኢደን።

“ክቡር ኣፈጉባኤ ሎሚ ንጉሆ ንሰር ኪም ዳረክ ኣዘራሪበዮም ነይረ።ካብ ናይ ዋሽንግተን ናይ ኣማባሳደርነት መዝነቶም ምልቃቖም ዘጣዕስ ምዃኑ ገሊፀሎም ኣለኹ።ሰር ኪም ንብሪጣንያ መዋእሎም ብምግልጋሎም ካባና ሞገስን ክብሪን ዝግብኦም እዮም።”

ኣባላት ፓርላማ እውን ነቶም ኣምባሳደር ሰፊሕ ደገፎም ገሊፆምሎም።መራሒ ተቓዋሚ ጀረሚ ኮርቢን “ኩላትና ኣባላት ፓርላማ እቶም ኣምባሳደር ኣብዚ ስዓት እዚ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝተገደድሉ ኩነት ብዑምቐት ዘጣዕሰና ከምዝኾነ ክንገልፅ ኣለና” ኢሎም።

ኣብ መጻኢ ቀዳማይ ሚንስትር ብሪጣንያ ንምዃን ካብ ዝወዳደሩ ዘለው ኣብ ቅድሚት ይመርሑ ዘለው ቦሪስ ጆንሰንን ጀረሚ ሃንትን ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ ማንችስተር ብቐጥታ ቴሌቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ ክርክር ብዛዕባ እቲ ሰሊኹ ዝወፀ መልእኽቲ ርእይቶም ሂቦም ኣለው።ኣብዚ ሕጂ እዋን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዝኾኑን ሕፁይ ቀዳማይ ሚንስትርን ጀረሚ ሃንት “ሓሓሊፉ ንዓርክኻ ክትዛረቦ ዝነበረካ ዘይክትብሎ ትኽእል፤ከምቲ ሎሚ ንረዚደንት ትራምፕ ዝበልኩዎም።ምኽንያቱ ብዛዕባ ተሪሳ ሜይ ዝሃቡዎ ርእይቶ ዘይቅቡልን ክብሉዎ ዘይነበሮምን እዩ” ኢሎም።

ሚንስትር ጉድያት ወኣኢ ብሪጣንያ ዝነበረሩን ሕፁይ ቀዳማይ ሚንስትርን ቦሪስ ጆንሰን ብወገኖም “ኣገልገልቲ ህዝቢ ንሚንስትራት ዝህብዎ ምኽሪ ብሚንስትራት ፈፂሙ ልሒኹ ክወፅእ የብሉን።ኣገልገልቲ ህዝቢ ብነፃን ዘይወገናውነትን ዝደለይዎ ምኽሪ ክህቡ እንተኾይኖም እውን ብሚንስትራት ርእይቶ ክውሃበሉ የብሉን” ኢሎም።

ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ንፕረ.ትራምፕ ብምንቃፍ ዝፍለጡ ኣባል ኮንግረስ ኣዳም ቼፍ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘እቶም ፕረዚደንት ንመሻርኽትናን ዲፕሎማቶምን ምሕራቖም ቀፂሎም ኣለው።ንኣሜሪካ ወኪሎም ናብ ወፃኢ ናይ እንልእኾም ኣሜሪካዊያን ስራሕ እውብ ዝዕንቅፍ እዩ ክኸውን’’ ክብሉ ብናይ ኣሜሪካ ዲፕሎማት ኣሌክሳንደር ቨርሽቦው ዝገለፁዎ ስኽፍታ ኣቃሊሖም ኣለው።

ንሶም ወሲኾም መራሒ መንግስቲ ኣሜሪካ ንናይ ቀረባ መሓዛና ዝኾነት ሃገር ኣምባሳደር ክስጎጉ ምግባሮም ኣዚዩ ሕማቕ ኣብነት እዩ ኢሎም።

ተሪሳ ሜይ ንዕአን ዝትክእ ሰብ ምስ ተመረፀ ምናልባሽ እውን ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ካብ መዝነት ቅዳማይ ሚንስትር ክወርዳ እየን።እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር እቲ ሰሊኹ ዝወፀ ናይ ኬቢል መልእኽቲ ምንጩ ንምፍላጥ ምርመራ ክካየድ ኣዚዙ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣሜሪካ ካብ መዝነቶም ለቂቖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:25 0:00

XS
SM
MD
LG