ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣሜርካ ንኢትዮጵያ ኣመስጊኑ


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐይ ሎሚ ናብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቴሌፎን ብምድዋል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት መውጽኢ ስኢኖም ንዘለው ኣሜሪካዊያን ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ዘበርክቶ ዘሎ ድጋፍ ኣመስጊኖም። ንሶም ብተወሳኺ ሃገሮም ምስ ዓለምለኸ አጋራት ብምዃን ኣብዚ ንዓለም ገጢምዋ ዘሎ ብድሆ ንምምካት ከምትሰርሕን ደገፋ ከምተበርክትን ኣስሚሮምሉ ኣለው።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ኣገዳስነት ዝምድና ክልቲኣን ሃገራትን ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ዞባዊ ጉዳይ ዘድልይ ምትሕብባር ምዝታዮም መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG