ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜርካን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ጉዳይ መጥቓዕቲ ከተማ ሆደይዳ ዘለዎም ሻቕሎት ይገልጹ


ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ብዛዕባ’ቲ ዘይተርፍ ዝመስል መጥቓዕቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ሓይልታት መንግስቲ የመን ኣብ ልዕሊ ንወደባይት ከተማ ሆደይዳ ተቆጻጺሮም ንዘለው ተቓወምቲ ሁቲ ዘለዎም ሻቅሎት ይገልጹ ኣለው። ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ብኢራን ዝድገፊ ተቓወምቲ ሁቲን፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ልዕሊ ወደባይት ከተማ ሆደይዳ ከጋጥም ዝኽእል መጥቓዕቲ ንምክልኻል ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማሲ ተጸሚዱ ከምዘሎ ጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተርስ ገሊጾም።

“ ኣብዚ ሕጂ እዋን ወታሃደራዊ ግጭት ከየጋጥም ብመንጎኝነት ልዑኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ማርቲን ግሪፊንግ ዝምራሕ ጽዑቕ ልዝብ ኣብ መንጎ ሰንዓን ስዑዲ ዓረብን ይካየድ ኣሎ።”

ሕቡራት ሃገራት ገለልተኛ ዝኾነ አካል ነታ ወደባይት ከተማ ክቆጻጸር ዝብል ሓሳብ ምቕራቡ ተገሊጹ’ሎ። ተሓጋጋዚ ጠቅላሊ ጸሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ ብወገኖም ምኽፋት እታ ወደባዊት ከተማ አገዳሲ ምኳኑ ይገልጹ።

“ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 7 ሚልዮን ሰባት ንሓገዝ መግቢ ካልኦት ልዕሊ 7 ሚልዮን ዝኾኑ ድማ ካልእ ሓገዝ ካብ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካል የድልዮም። ስለዚ ወደባይት ከተማ ሆደይዳ ንምዕቓብ ህይወት አገዳሲት ቦታ’ያ፡ ስለዚ ንዝኾነ ጊዜ ወደብ ሆደይዳ ስራሕ ምስ ዘቋርጽ ከቢድ ሰብኣዊ ዕንወት ክስዕብ’ዩ።”

ንሶም ብተወሳኺ ብዙሓት አባላት ሕቡራት ሃገራትን ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኣብታ ወደባይት ከተማ ዝነበሮም ህላውነት የመዓራርዩ እንተለው ንሕና ግን ሓገዝ ምሃብ ከምንቕጽልን ኣብቲ ቦታ ክንጸንሕ ምኳና ነፍልጥ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ንምጽጋዕ ሓይልታት መንግስቲ የመን ናብታ ወደባይት ከተማ ብዝምልከት ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ከተማ ወታደራዊ መጥቓዕቲ ምስ ዘጋጥም ህይወት 250,000 ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ምኳኑ የጠንቕቅ።

ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሚንስትር ማይክ ፖምፐይ ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተልዎ ከምዘለው ብምግላጽ ምስ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ኢማራት ምዝርራቦምን ኣሜሪካ ድልየታ ማዕረ ማዕረ ንስግኣት ጸጥታ እተን ሃገራት ትህቦ ትኹረት ሰብኣዊን ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ብዘይ ጸገም ናብታ ሃገር ክበጽሓሉ ዝክእል መንገዲ ንምዕቃብ ከምትደልይ ገሊጾም ኣለው። ፓምፐይ ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት ነቲ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ዘጥፍአን ንብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክውከሉ ዘገደደ ናይ ሰለስተ ዓመታት ግጭት ብፖለቲካዊ መስርሕ ክፍትሑ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG