ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: 500 ሚልዮን ክታበት ቫይረስኮሮና ንዓለም ከምትልግስ ፕረ.ባይደን ኣፍሊጦም


ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምምሕዳሮም 500 ሚሊዮን ፋይዘር ዝተባህለ ዓይነት ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝተሓተን ማእኸላይን እቶት ንዘለወን 92 ሃገራት ከምእትልግስ ሎሚቲ ሓሙስ ብምእዋጅ ኣሜሪካ ዓቋሪት ክታበት ካብ ዝብል ሽም ንባዕላ ነፃ ተውፅእ ኣላ።

ፕረባይደን ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ወይ ኣብ ድሮ ዋዕላ ኣብ ኮርንዎል ብሪጣንያ ዝካየድ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ነዚ ምፍላጦም ዝበለፅ እዋን እዩ።ከምኡ ብምግባር ካልኦት ሃብታም ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ዘተባብዕ እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዋይት ሃውስ ክሳብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመተ 2021 ዝልገስ 200 ሚሊዮን ክታበት ሓዊሱ ፍርቂ ቢሊዮን እቲ ክታበት ክሳብ ዝቕፅል ዓመት ሰነ ክቐርብ እዩ።ኣሜሪካ COVAX ተባሂሉ ብዝፅዋእ ተበግሶ ሕቡራት ሃገራት ኣቢላ ከምተከፋፍሎ'ውን ኣፍሊጣ'ላ ።

XS
SM
MD
LG