ዋሽንግተን —
ኣሜሪካ 3.5 ሚልየን ዶላር ዝግመት 33 መካይንን ብርክት ዝበለ ሕክምናዊ ንዋትን ዝሓለፈ ሓሙስ ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ከምዝለገሰት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
እዚ ኣካል'ቲ ብዩኤስ ኤ ኣይዲ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ንምሕጋዝ ዝገብሮ ሰፊሕ ድጋፍ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ'ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ዩኤስ ኣይ ዲ ሾን ጆንስ ኣሜሪካ ነቶም ብቅልውላው ትግራይ ዝተጎድኡ ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ ዘለዋ ቅሩብነት ክትቅጽሎ'ያ ኢሉ'ሎ ።
ግጭት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣሜሪካ ንህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ኣስታት 310 ሚልየን ዶላር ከምዝለገሰት'ውን ተጠቒሱ'ሎ።