ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ:33 መካይንን 3.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሕክምናዊ ንዋት ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ምልጋሳ ተሓቢሩ


ኣሜሪካ 3.5 ሚልየን ዶላር ዝግመት 33 መካይንን ብርክት ዝበለ ሕክምናዊ ንዋትን ዝሓለፈ ሓሙስ ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ከምዝለገሰት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣካል'ቲ ብዩኤስ ኤ ኣይዲ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ንምሕጋዝ ዝገብሮ ሰፊሕ ድጋፍ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ'ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ዩኤስ ኣይ ዲ ሾን ጆንስ ኣሜሪካ ነቶም ብቅልውላው ትግራይ ዝተጎድኡ ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ ዘለዋ ቅሩብነት ክትቅጽሎ'ያ ኢሉ'ሎ ።

ግጭት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣሜሪካ​ ንህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ኣስታት 310 ሚልየን ዶላር ከምዝለገሰት'ውን ተጠቒሱ'ሎ።

XS
SM
MD
LG