ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ጉባኤ ሃገራዊ ኮሚተ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ተጀሚሩ


ደሞክራት ነቲ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ንጆ ባይደን ንምስያም ትማሊ ሰኑይ ብርሕቐት ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መዓልቲ ጉባኤኦም ንሓድነት ጸዊዖም። ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደንን፥ ንምኽትሎም ትወዳደር ሰነተር ካመላ ሃሪስን ኣብ መወዳእታ`ዚ ሰሙን ናይ ፓርቶም ውክልና ክረኽቡ`ዮም። እቲ ትማሊ ብሰፊሕ ሽፋን ተለቪዥን ዝተመሓላለፈ መደብ`ምበኣር፥ ኣብዚ ጎስጓስ ምርጫ ናብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፥ ህንጥዩነት መረጽቲ ንምብርባር ዝዓለመ`ዩ ኔሩ ይብል ማይክ ኦ`ሱሊቫን።

እቲ ብናይ ሆሊዉድ ኮኸብ ተዋሳኢት ኢቫ ሎንጎሪያ ባስተን ዝተመርሐ ዲሞክራቲክ ጉባኤ ቅድሚ ሎሚ ተገይሩ ዘይፈልጥ`ዩ- ኣብዚ ፍሉይ እዋን ዝተኻየደ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኣኼባን ብተለቪዥንን ዝተዘርግሐን- ። ከም ልሙድ ብኣካል ዝካየድ ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ደሞክራቲክ ፓርቲ፥ ሎሚ-ዘመን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ብኣካል ኣይተኻየደን።

ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ፍሉጣት ዜጋታትን ከካብ ዘለውዎ ኮይኖም ብማዕዶ መደረታት ኣስሚዖም።

ከንቲባ ዋሺንግተን ዲሲ ማውሪል ባውሰር ዘስምዓቶ መደረ፥ ነዛ ሃገር ዝኸፋፈለ ዓሌታዊ ውጥረት ዘዘኻኽር`ዩ ኔሩ።

"ኣብዚ ቦታ`ዚ`ዩ ክልተ ሰሙን ይገብር፥ ኣመሪካውያን ናይ ገጽ መሸፈኒ ጌሮም ድሕነቱ ብዝተሓለወን ብሰለማዊ መንግድን፥ ንሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም ።"

እቲ መድረኽ ከምቲ ናይ ቀደም ምስሊ ሒዙ ተሸላሊሙ ኔሩ- ተዓዘብቲ ግን ብማዕዶ`ዮም ዝርእዩ። መብዛሕቲኡ መደረታት`ውን ኣቐዲሙ ዝተቐረጸ`ዩ፥ ሓደ ካብኡ ብቀዳመይቲ እመቤት ዝነበረት ሚሸል ኦባማ ዝተሰምዐ መደረ`ዩ።

"ንጆ ባይደን እፈልጦ`የ። ብእምነት ዝምራሕ ኣዝዩ ልዙብ ሰብ`ዩ። ዝድነቕ ምኽትል ፕረዚደንት`ዩ ኔሩ። ንኤኮኖሚ ንምድሓን፥ ንለበዳ ንምስዓር፥ ከምኡ`ውን ንሃገር ንምምራሕ እንታይ ከምዘድሊ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ`ዩ። "

​ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደነት ትራምፕ ንምስዓር ንደሞክራት ካብ ዘገድሶም ሓደ ፥ ናይቶም ገስጋሲ ኣረኣእያ ዘለዎም ዝብሃሉ ደገፍቲ ናይ ቨርሞንት ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ድጋፍ ምርካብ`ዩ። ሰነተር ሳንደርስ `ውን መደረ ኣስሚዑ ኔሩ።

“ኣብ ውሽጢ 100 ዓመታት ዝኸፍአ ቅልውላው ህዝባዊ ጥዕና ኣጋጢሙና`ሎ፥ ከምኡ`ውን ድሕሪ`ቲ Great Depression ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓቢይ ውድቀት ኤኮኖሚ፥ ዝኸፍአ ኤኮኖሚያዊ ኩርመሻ ኣጋጢሙና`ሎ። ምስ ሲስተማዊ ዓለታውነትን፥ ካብ ክሊማዊ ለውጢ ዝብገስ ምስ ገዚፍ ስግኣት ፕላነትናን ኢና ገጢምና ዘለና። ኣብ ማእከል`ዚ ድማ ፥ እዚ ሕጂ ዘለና ፕረዚደንት ነዚ ቅልውላዋት`ዚ ክኣሊ ዓቕሚ ዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ናብ ውልቂ ምልክነት ገጹ ዝመርሓና ዘሎ`ዩ።”

ሃገራዊ ዋዕላ ደሞክራት ዳርጋ ንሰሙን ዝቕጽል`ዩ- ኣብ ናይ ትማሊ ፈላማይ መዓልቱ፥ ካብ ማእከላይ መርገጽ ዘለዎም ሪፓብሊካንን ናጻ ኣድመጽትን`ውን ድጋፍ ተለጊስሉ ኔሩ፥ ገዛኢ ኦሃዮ ዝነበረ ሪፓብሊካን ጆን ከሲክ`ውን ንጆ ባይደን ደጊፉ መደረ ኣስሚዑ ኔሩ፥

“ኣነ ዕድመይ ምሉእ አባል ፓርቲ ሪፓብሊካን`የ- ንሱ ግን ንሃገረይ ኣብ ዘለኒ ሓላፍነት ካልኣይ ቦታ ዝሕዝ`ዩ። በዚ ዕላማ`ዚ ተደሪኸ`የ ምበኣር፥ ኣብዚ ጉባኤ ደሞክራት ቀሪበ ዘለኹ " ኢሉ ።

ሕጹይ ደሞክራት ጆ ባይደን ምስ ገለ ሓገዝቱን ኣማኸርቱን ጥራይ ብምዃን ዝመጽእ ሓሙስ ኣብ መዛዛሚ`ቲ ጉባኤ ካብ ክፍለ- ግዝኣቱ ደለወር ኮይኑ`ዩ ፥ ናይ ፓርቱ ውክልና ዝተቐበለሉ መደረ ከስምዕ`ዩ- ።

ብኻልእ ወገን ትማሊ ኣቐድም ኣቢሉ ንፖለቲካዊ ኣኼባ ከተማ ማንካቶ እናምረሐ ከሎ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሚንያፖሊስ መነሶታ ንሓጺር ጊዜ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ትራምፕ ፥ ብዛዕባ`ቲ ናይ ደሞክራት ጉባኤ ክዛረብ ከሎ "ብቴፕ ዝተቐድሐ መደረ ክትሰምዑ ከለኹም ዝምስጥ ነገር የብሉን -ሓቀይ! ኢሉ ንደሞክራት ብምብጫው ንደገፍቱ ኣስሒቑ ኔሩ።

ሽሕ`ኳ ኣብቲ ኣብ ሻርለት ኖርዝ ኮረላይና ዝካየድ መድረክ ገለ ውሱን ምንቅስቓሳት ክግበር ተሓሳቡ እንተ ሃለወ ዝመጽእ ሰሙን`ውን ፥ሪፓብሊካን ፓርቲ ዳርጋ ተመሳሳሊ ኣገባብ ጉባኤ ክገብሩ`ዮም ። ፕረዚደንት ትራምፕ ውክልና ፓርቱ ዝቕበለሉ መደረ ካብ ዋይት ሃዋስ`ዩ ከስምዕ`ዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ትራምፕን ምኽትሉ ማይክ ፐንስን ንደሞክራት ንምቕዳም ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዝተፈላለያ ፓለቲካዊ ኣገዳስነት ኣለወን ዝብሃላ ግዝኣታት ይበጽሑ`ለዉ- ። ባይደን ሓሙስ ካብ ዳለወር መደረ ኣብ ዘስምዓሉ እዋን፥ ትራምፕ ድማ ካብኡ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ፥ ኣብታ ባይደን ዝዓበየላ ናይ ፐንሲልቨንያ ከተማ ስክራተን ክርከብ`ዩ።

ኣብዚ፥ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሰለስተ ኣዋርሕ ዘይመልእ ተሪፍዎ ዘሎ እዋን፥ ክልቲኦም ፓርትታት ዘለዎም ብድሆታት፥ ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፥ ንኣድመጽቲ ከመይ ጌርካ ትምስጦም ዝብል`ዩ ኮይኑ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG