ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ :ገምጋም ዋዕላ ሃገራዊ ኮሚተታት ዲሞክራትን ሪፖብሊካንን


ኣብዚ ሰሙን`ዚ ሪፓብሊካን ድማ ብተርኦም ሃገራዊ ዋዕልኦም ትማሊ ሓሙስ ብምዝዛም ንፕረዚደንት ትራምፕ ንካልኣይ ዘመን ስልጣን ሕጹዮም ጌሮም ሸይሞም ኣለዉ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደሞክራት ዝገበርዎ፡ ሪፓብሊካን`ውን ብምክንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብርሕቐትን ብማሕበራዊ ምፍንታትን ዋዕልኦ ከካይዱ ዝተቐሰብሉ`ዩ ኔሩ።

"ንሕና ከም ሓንቲ ግዝኣት ንዶናልድ ትራምፕ 172 ድምጺ ወከልቲ ነቕርብ ኣለና።"

ሪፓብሊካን ቁጽሪ ድምጺ ወከልቲ ግዝኣታት ኣብ ምሃብ ቀልጢፎም`ዮም ጀሚሮም፥ ከም ደሞክራት ግዜ ኣይወሰዱን፥ ካብቶም ብኣካል ክርከቡ ዝነበሮም 2,500 ቅሩባት ተረኺቦም ኔሮም- ኣብቲ ኣብ ሻርሎት ኖርዝ ኮሮላይና ዝተኻየደ መደረኽ ዋዕላ ሪፓብሊካን።

ድምጺ ልኡኻት ግዝኣታት ንሕጹያቶም ኣብ ምሃብ ዝነበረ ኣካይዳ እንተርኢና፡ ናይ ደሞክራትን ሪፓብሊካንን ዝተፈላለየ`ዩ ኔሩ። ደሞክራት ብቪድዮ ምስ ግዝኣቶም ቅሩብ ድሕሪ ምልላይ ብናይ ርሕቐት ኣገባብ`ዮም ድምጾም ዝህቡ ኔሮም።

ማቲው ኮንቲነቲ ኣብ ኣመሪካን ኢንተርፕሪዘ ኢንስቲቱት ዝሰርሕ`ዩ ከምዚ ይብል፥

“ ኣነ ከምዝመስለኒ፥ እቲ ብናይ ርሕቐት ዝተኻየደ ጉባኤታት ፥ ንኽልቲኦም ፓርትታት ብዝተወሰነ መልክዑ ዝሓገዞም`ዩ ዝመስለኒ። ምኽንያቱ ንደሞክራት እንተወሲድና፥ ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ፍልልያት ንክኽወል ጌሩ`ዩ። ንበርኒ ሳንደርስ ዝድግፍ ገዚፍ ሰልፊ ኣይተራእየን። ወይ ድማ ከምቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ጉባኤ ሪፓብሊካን ዝተሰምዔ " እሰርዋ" ዝብል ጭደራ ኣይነበረን። "

`እሰርዋ` ዝብል ጭርሖታት ነታ ሽዕኡ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ትወዳደር ዝነበረት ሂላሪ ክሊንተን ምዃኑ`ዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዋዕላታት ክልቲኦም ፓርታታት፥ ደሞክራት፡ ትሕት ዝበለ ቴክ-ቪድዮታት ተጠቒሞም ሓጸርቲ መደረታቶም ዘስምዑ ክኾኑ ኸለዉ፥ ሪፓብሊካን ግን ብቐጥታ ካብ ኣዳራሽ ጉባኤ ከምዝመስል ጌሮም፥ ካብ ኣዳራሽን ብቪድዮ እናተሃናፈጹ`ዮም ዘቕርብዎ ኔሮም።

ኣብ ዋዕላ ሪፓብሊካን፥ መደረ ዘስምዑ ተመረጽቲ ሪፓብሊካን ሰበ-ስልጣን፡ ውሕድ ዝበሉ`ዮም ኔሮም። ሪፓብሊካን ፕረዚደንት ነበር- ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ኣብቲ ዋዕላ መደረ ኣይገበረን።

ቨነሳ በስሊ፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቫንደርብት ፕሮፈሰር ኮሚኒኬሽን`ያ።

"ነባራት ዝብሃሉ ኣባላት ሪፓብሊካን ፓርቲ ዝኾኑ ሰባት ዘይምንባሮም ብርግጽ ሓደ ትርጉም ኣለዎ። ንቀጻልነት እቲ ፓርቲ ክተመስክር ኣለካ፥ ናይቲ ፓርቲ ድጋፍ ከምዘለካ ክተርኢ ኣለካ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጉባኤ ኣገደስቲ ዝብሃሉ ሰባት ዘይምርኣዮም ግን፥ እቲ ኩነታት ከምኡ ኣይነበረን።"

ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ መድረኽ ሪፓብሊካን ቀሪቦም መደረ ዘስምዑ፥ ኣባላት ስድራቤት ፕረዚደንትን ናቶም ኣገደስቲ ሰባትን`ዮም ኔሮም።

ማቲው ኮንቲነቲ ኣብ ኣመሪካን ኢንተርፕሪዘ ኢንስቲቱት ዝሰርሕ ኮይኑ፥ ብዛዕባ`ቶም መደርቲ ክዛረብ ከሎ፥ ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ንፕረዚደንት ትራምፕ ዘምረጾ ምዝኽኻር ኣገዳሲ`ዩ ይብል።

“ዕላማ ናይ`ቲ ዋዕላ፥ ነቶም ቀንዲ መሰረት ዝኾኑ ኣድመጽቲ ንምብራባር እንተኾይኑ፡ ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ንምንታይ ከምዝተመርጸ ዘዘኻኽረልካ የድሊ`ዩ። ነዚ ክገብርዎ ዝኽእሉ ድማ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ዝተመርጹ ሪፓብሊካን ኣባላት ስድራ-ቤት ትራምፕ ኣለዉ-።

ብዛዕባ`ቶም መሰረት ዝብሃሉ ኣድመጽቲ ንፈልጦ ሓደ ነገር፥ ኩልግዜ ብዛዕባ ፖለቲካ ተጠራጠርቲ`ዮም።

በዓልቲ ቤት ትራምፕ፥ መላንያ ትራምፕ፥ ብዛዕባ`ቶም ብኮቪድ-19 ዝተጎድኡ ሰባት ድንጋጸኣ ዝገልጽ መደረ`ያ ኣስሚዓ። ካልኦት ተዛረብቲ ዋዕላ ድማ ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ቅልውላው ኣብ ምእላይ ንዝተኸተሎ ኣገባብ ብምንኣድ መደረታቶም ኣስሚዖም።

ደሞክራት ብዙሕ ካብ ግዚኦም ንፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ`ቲ ለበዳ እኹል ብዘይምግባር ኣብ ምንቃፍ ዘሕለፍዎ ክኾኑ ኸለዉ፡ ፓለቲካ ናቱ ብዝያዳ ሕልኽልኽ ብዝበለ`ዩ ቀሪቡ።

“ ጆ ባይደን ንኣጋይሹ ብርሕቐት ብ `ዙም` ዝብሃል መተሓላለፊ ቪድዮ`ዩ መደርኡ ኣስሚዑ። ባይደን ብርሕቐት ክዛረብ ከሎ ድማ ኣርኣያ ንምዃን ብዝብል ማስክ ጌሩ`ዩ ዝዛረብ። ትራምፕ ብኻልእ ወገን፥ ካብ ዋይት ሃውስ ብቐጥታ`ዩ ተዛሪቡ- ማስክ ዝብሃል ነገር `ውን ኣይነበረን። እዚ ድማ ኣብ ኣተሓሕዛ ኮሮናቫይረስን ራኢ ኣመሪካ ድማ ብሓፈሻ ሰፊሕ ፍልልይ ከምዘሎ ዘርኢ`ዩ።"

ፕሮፈሰር ኮምኒኬሽን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቫንደርብልት ቨነሳ በስሊ፡ ብዛዕብኡ ክትገልጽ ከላ፥ እቲ ዝውሃብ ዝነበረ ተስፋ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይቐርብ ምንባሩ`ዩ። ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ደሞክራት ዝያዳ ኣሕዛናይ ኣብ ገሊኡ`ውን ክሳብ ዘብኪ`ዩ ኔሩ-ብፍላይ ከኣ እቶም ብኮቪድ 19 ዝሞቱ ክዝከር ከሎ።

ኣብ ዋዕላ ሪፓብሊካን ዝውሃብ ዝነበረ መልእኽቲ ግን ልዕል ዝበለ ተስፋ ዝተንጸባረቐሉ፥ ከምኡ`ውን መጻኢ ዕድል`ዛ ሃገር ኣብ ኢድ ደሞክራት እንተወዲቑ እንታይ ከምዝኸውን ዝገልጽ መልእኽትታት ዝሓዘ`ዩ። ።

ቀጥታዊ ተሳትፎ ተዓዘብቲን ናይ ድጋፍ ጣቒዕትን ዘይተለገሶ ዋዕላታት ክልቲኦም ፓርትታት፥ ሕጽር ዝበለ መደረታት`ዩ ዝቐርበሉ ኔሩ። ኣብ ተለቪዥን`ውን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ዝነበረ ዋዕልታት ዝወሓደ ዝተኸታተሎ`ዩ ኔሩ።

ኣብ መንጎ ፕረዚደነት ትራምፕን ምኽትል ፕረዚደንት ነበር- ጆ ባይደንን ዝካየድ ምርጫ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ወርሒ ሕዳር ክካየድ`ዩ።

XS
SM
MD
LG