ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ድሕሪ 28 ዓመታት ኤምባሲኣ ኣብ ሶማል ከምትኸፍት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ


ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ኮይኖም ዝተምዘዙ ዶናልድ ያማማቶ ኣብ አዲስ አበባ
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሶማል ኮይኖም ዝተምዘዙ ዶናልድ ያማማቶ ኣብ አዲስ አበባ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ: ኤምባሲ ኣሜሪካ ድሕሪ 28 ዓመታት ኣብ ሶማል ከምዝኽፈት ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ንምኽፋት'ቲ ኤምባሲ ብዝምልከት ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ; ሶማል - ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘመዝገበቶ ምዕባለ ዘንጸባርቅ'ዩ" ድሕሪ ምባል "ብተወሳኺ ኣሜሪካ ኣብታ ሃገር ዝነበራ ተሳትፎ ወግዓዊ ዝገብር ዩ" ኢሉ'ሎ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣሜሪካ ኣብታ ሃገር ዳግም ኤምባሲኣ ምኽፋታ ንረብሓ ክልቲኣን ሃገራት ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲ: ምርግጋእ: ቁጠባዊ ዕብየት ንምርግጋጽ ዘለና ተወፋይነት ዘርእይ'ዩ ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ዓመታት ሶማል ምስ ጥሩፍ ጉጅለ ግብረሽበራ አል ቓዒዳ ምትእስሳር ከምዘለው ዝግለጽ ኣል ሸባብ ዝፍነው መጥቓዕቲታት: ደርቂን ሽፍትነት ባሕሪን ከትቃለስ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ዋላ እኳ ኣብ ገለ ክፋል'ታ ሃገር ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ዘጋጥም እንተኾነ: ኣብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ዝረአ ተዛማዲ ምርግጋእ ግን ገለ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ሶማልያዊያን ወፍሪ ከካይዱ ክኢሎም ኣለው።

ዓለምለኸ ባንክ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ኣስታት 30 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ 80 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምሃቡ'ውን ይፍለጥ።

ኣሜሪካ በቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ'ቲ ሃገር ብምድጋፍ ተደጋጋሚ መጥቓዕትታት ኣየር ከተካይድ ጸኒሓ'ያ።

XS
SM
MD
LG